ኤርትራውያን ገለን ተሰጒጎም፡ ገለን ኣብ ጉዕዞ ስደት ተኣሲሮም

2024-12-09 13:00:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 352 times

ኣማኢት ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባ ተገዲዶም ብመንገዲ ዓሰብ ብኣውቶቡሳት ከም ዝተስጉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና  ክገልጻ እንከለዋ፡ ኣስታት 10 ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኬንያ ሲፒሊ ላከፒኣ ኣብ ዝተባህለት ከተማ  ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ኤሪ-ጋዜት ሓቢራ።

እቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ግዳይ ስደት ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ መብዝሕትኦም ብሰንክቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይስሉጥ ኣሰራርሓ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታ ሕብራት ሃገራት፡ ተመዝጊቦም ናይ ስደተኛ  መንነት ወረቐት ክወሃቦም ሓቲቶም ዘይተዋህቦም ክኾኑ እንከለዉ፡ ውሱናት ምስ ናይ ስደተኛ መንነቶም ግዳይ  ዝኾኑ ከም ዝርከብዎም  ተፈሊጡ።

እዞም ግዳያት ኣብ ኤርትራ ካብ ዝወርዶም ማእስርትን ካልእ ዝተፈላለዩ በደላትን ክድሕኑ ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ከብቅዑ፡ ብጭካነ ተገዲዶም ክምለሱ እንከለዉ ህይወቶም ውሑስ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ነቲ ምስጓግ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት’ኳ ዝወሃቦ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ጽልእን ዘይምትእምማንን እዩ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ብተመሳስሊ ኩነታት ናብ ኤርትራ ተሰጒጎም፡ እንደጋና ተመሊሶም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ግዳይ ምስጓግ ዝኾኑ ከም ዘለዉዎም ድማ ተፈሊጡ። እቲ ዘሕዝን ድማ ኣባላት ፖሊሲ ኣዲስ ኣበባ ንማእሰርቲ ኤርትራውያን ከም ምንጪ ኣታዊ ይጥቀምሉ ምህላዎም እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብውሕዱ 10 ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከቋርጹ ክብሉ፡ ኣብ መንገዲ ዝረኸብዎም ሰባት ብዘቕረብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ኬንያ ሲፒሊ ላይክፒያ ዝተባህለ ከተማ ኣብ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ዜና ኤር-ጋዜት ሓቢሩ።

ናይቲ ተኣሲረምሉ ዘለዉ መደበር ፖሊስ ኣዛዚ፡ ፍራንሲስ ንጋንጋ ከም ዝሓበሮ፡ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ እቶም ክልተ ኣብ ኬንያ ዝጸንሑ መራሕቲ መንገዲ ከይኮኑ ኣተርፉን’ዮም። እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኣተሓሒዙ “እቶም ግዳያት ክሲ ዝጽበዮም ዘለዉ እዮም”  ምባሉ ተፈሊጡ።

እዞም ኩሎም ኤርትራውያን ጉጅለ ህግደፍ ብሰንኪ ዝወስዶ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ እዮም። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ንኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ግህሰታት ኣቓልቦ ንክህብዎ ንምሕጸን።

Last modified on Monday, 09 December 2024 14:15