ኣካል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ናብ መደበራት ይኣቱ’ሎ

2024-12-04 19:48:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 334 times

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ፡ ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዝተዳለወሉ መደበር ክኣትዉ ከም ዝጀመሩ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዞም ናብ መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት፡ ኣባላት ማእከላይ  እዚ ናይቲ ሰራዊት ኮይኖም፡ ሳኒ ነጋሳ ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዛዚኦም ብ1 ታሕሳስ 2024 ምስ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ብዝተፈራረሞ ናይ ሰላም ስምምዕ መሰረት ምዃኑ ተፈሊጡ።

ናይ ክልል ኦሮሚያ ቤት ጽሕፈት ርክብ ብ3 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ናብቲ ዝተዳለወሎም መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተቐበሉ እዮም። ክልል ኦሮሞ’ኳ ብወግዒ እንተዘይገለጾ፡ እቶም ናብ መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ፡ ናይቲ ክልል ማሕበራዊ መድያታት ከም ዝጠቐሰኦ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ከባቢ ግንደበረት፡ ቾቢ፡ አልፋታ፡ ኣምቦ፡ ሚድከኛን ጂብታን ዝተባህሉ ቦታታት ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኮይኖም ቁጽሮም ክሳብ 800 ከም ዝበጽሕ ተሓቢሩ።

ናይቲ  ካልእ ኣካል መሪሕነት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ ተጻራሪ መግለጺ፡ እቶም ጸዋዒት ተቐቢሎም ብስምምዕ ናብ ክልል ኦሮርሞ ኣትዮም ዝበሃሉ ዘለዉ፡ መንግስቲ ኦሮሚያ ቃልሶም ንከዳኽም ባዕሉ ዝፈጥሮም እዮም ብዝብል ተቓውመኦም ገሊጾም። ነቶም ዝፈራረሙ ሓለፍቲ ድማ ኣቐዲሞም ካብቲ ሰራዊት ተሰጒጎም ዝነበሩ እዮም ኢለሞም። ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከም ዝብልዎ፡ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዝተፈራረምሉ ሰነድ  ኣይተገለጸን።

ቅድሚ ሕጂ እቲ ብኩምሳ ደሪባ ወይ ጃል ማሮ ዝምራሕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ ታንዛንያ ዝያዳ 10 መዓልታት ዝወሰደ ዘተ ኣካይዱ ብዘይስምምዕ ከም ዝተበተነ ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Wednesday, 04 December 2024 20:52