ኣብ ኤርትራ ክዕለም ዝጸንሐ መሊሻ ናብ ከሰላ ተፋንዩ
2024-11-01 08:19:26 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 824 timesኣብ ኤርትራ ብሓገዝ ጉጅለ ህግደፍ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክከታተል ዝጸንሐ ሓይሊ መሊሻ ሱዳን፡ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ሱዳን ንምስላፍ ናብ ከሰላ ከም ዝተፋነዉ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ። እቶም ጀነራል ኣልኣሚን ዳውድ ብዝተባህለ መኮነን ዝምርሑ ኣባላት መልሻ፡“ምብራቓዊ ቦጠለኒ” ብዝብል ዝጽዋዕ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
እዚ ምብርቓዊ ቦጠለኒ ዝበሃል ኣሃዱ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ክዕለዉ ዝጸንሑ ጉጅለታት ሱዳን ኮይኑ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ኮይኑ፡ ከባቢኡ ካብቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ዘካይዶ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ድማ እቲ ዜና ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብ28 ጥቅምቲ 2024 ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ በቲ ዲክታተር ኤርትራ ምስቲ ብጀነራል ኣርልቡርሃን ዝምራሕ ውና ከተማኡ ናብ ፖርት ሱዳን ቀይሩ ዘሎ መንግስቲ ከም እትስለፍ ከም ዝገለጸሉ ናብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኢሳያስ ኣብቲ ምስቶም ጋዜጠኛታት ዘካየዶ ርክብ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ክኣቱ ከም ዘይደሊ፡ ከምኡ መግበሪኡ ምኽንያቱ ድማ ፖለቲካ ሱዳን ብሰንኪ ናይ ብዙሓት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት ናብ ፖለቲካዊ ምርኢት/ባዛር ተቐይሩ ከም ዘሎ ምዃኑ ከም ዝጠቐሰሎም እቲ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።
ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ከም ፋኖ ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ከም ዘሰልጥን ዝኽሰስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን፡ ኣካል ናይቲ ብኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ኣብ ኣስመራ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ኪዳን ክገብሮ ከም ዝደሊ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።