መሰል ዘየብሉ፡ “ግቡእካ’ዩ” እናተባህለ ዝብደል ህዝቢ
2024-10-11 18:52:58 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 342 timesሃገር ብዘይ ህዝባ ሃገር ኣይትኸውንን’ያ፡ ህዝቢ እውን ብዘይሃገሩ ክብርን መንነትን ኣይህልዎን። በዚ መሰረት እዩ ከኣ ምእንቲ ሃገርን ምእንቲ ህዝብን ዝግበር ቃልሲ ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እምበር ፈላሊኻ ዘይርአ ዝኸውን። ህዝቢ ንሃገሩ ዝኸፍለላ ግቡኣት ኣለዎ። ብማዕሪኡ ከኣ ካብ ሃገሩ ክረኽቦ ዝግበኦ ዜግነታዊ መሰላት ኣለዎ። ሃገርን ህዝብን ነጻጺልካ ምርኣይ ከምዘይከኣልን ዝምድና ግቡእን መሰልን እውን ከምኡ ሓደ ካብቲ ሓደ ዘይነጻጸል እዩ።
ሃገርን ዜጋን ፈላሊኻ ከምዘይረኣዩ፡ ኣብ ውደባ እውን ኣባልን ዝተሰለፈሉ ትካልን ተመሳሳሊ ዝምድና ኣለዎም። ምኽንያቱ ኣባላት ተምሳል ውዳበኦም እዮም፡ ውዳበታት እውን መርኣያ ኣባላቶም እዮም ክኾኑ ዝግብኦም። ግቡእን መሰልን ከም ድላይካ ተብዘሖን ወይ ተውሕዶን ዘይኮነ፡ ተመጣጢኑ ንክቕጽል ዘኽእል ዝተስነደ ቀጥዒ ኣለዎ። ብደረጃ ሃገርን ህዝብን ክንዛረብ እንከለና፡ እቲ ካብዚ ነጺልካ ዘይረአ ናይ ዜጋታት ግቡእን መሰልን ኣብቲ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ዘነጽር ሕገመንግስቲ ከይተረፈ፡ ብዝተፈላለዩ ሕጋዊ ሰነዳት ዝንጸር እዩ። ብዛዕባ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፍን ኣባላቱን ክለዓል እንከሎ ድማ፡ ኣብቲ ክመሓደርሉ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዘጽድቕዎ መመሓደሪ ሕጎም ግቡእን መሰልን ዓብይ ቦታ ዝሕዙ እዮም። ግቡእን መሰልን ከከም ኩነታት ናይ ሃገራትን ዜጋአንን ናይ ውዳቤታትን ኣባላተንን ክፈላለ ዝኽእል ኮይኑ፡ ዘይስገሩ መሰረታዊ ዘመሳስሉ ነጥብታት ግና ኣለዉዎም።
ዜጋታት ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚርካ ነዓኡ መሰረት ገይሮም ንዝወጹ ሕግታት ናይ ምምእዛዝን ናይ ምትግባርን ሓላፍነት ኣለዎም። በቲ ሕግታት መሰረት ንሃገሮም ክኸፍልዎ ዝግበኦም ምኽፋል’ውን ከምኡ ግቡእ እዩ። እቲ ሕግታት ማዕረማዕረቲ ግቡእ፡ መሰል እውን ዘኽብር እምበር ናብ ግቡእ ጥራይ ዝዛዘወ ክኸውን ኣይግባእን። በቲ ሕጊ መሰረት ዜጋታት ንሃገሮም ክኸፍልዎ ግቡኦም ንክፍጽሙ ዝመርሕ መንግስቲ፡ መሰሎም ከይጐድል ናይ ምምጥጣን ሓላፍነት’ውን ኣለዎ። ንግቡእ ኣገዲድካ መሰል ምንፋግ ግና ረብሓ ዜጋ ዘየውሕስ፡ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ናይ ሃገር ሰላምን ልምዓትን’ውን ዘረጋግጽ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ምትእምማን ዘጥፍእ ናይ ሓቢርካ ምቕጻል ሓደጋ እዩ።
ዜጋታት ግቡኦም ዝፍጽምሎም ኣገባባትን ዝሳተፍሎም መዳያትን ብዙሓት እዮም። ወተሃደር ኮይንካ ህልውና ሃገር ምዕቃብ ሓደ ኣገባብ ምፍጻም ግቡእ እዩ። ኣብ መዳይ ልምዓት ተዋፊርካ ቁጠባ ሃገር ምዕባይ፡ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎት ምሃብን ከለኦትን ዜጋታት ግቡኣቶም ዝፍጽምሎም ዓውድታት እዮም። እዚ ግቡእ ብሃቦ ተረከቦ ዝፍጸም ዘይኮነ፡ ናይቶም ዝዋፈሩ ዜጋታት ኩለ-መዳያዊ ብቕዓት፡ ቅርቡነትን ዝንባለን ኣብ ግምት ምእታው ንዝያዳ ኣድማዕነት ኣድላይ ይኸውን። ኣብዚ እቲ ዜጋታት ግኡኣቶም ንኽፍጽሙ ዘዋፍር፡ ድሌት ውልቀ መራሒ ወይ ጉጅለ ዘይኮነ እቲ ግቡእን መሰልን ዝድንግግ ሕጊ እዩ ክኸውን ዝግበኦ።
ኣብ መስርሕ፡ ዜጋታት ብዛዕባ ሃገሮምን ናይቲ ዝዋፈርሉ ዕማምን ዓላማን ናይ ምርዳእ፡ ዝምርሕሉ ሕግን ስርዓትን ኣብ ምውሳን፡ ዝመርሖም ኣካል ኣብ ምምራጽ፡ ፍትሒ ናይ ምርካብ፡ መሰረታዊ ዜግነታዊ መሰላቶም ተርዲኦም ናይ ምዕቃብን ካለኦትን ናይ ምፍላጥን ምርካብን መሰል ኣለዎም። ዜጋታት ብመንጽርቲ ኣብ ምፍጻም ግቡእ ዘርእይዎ ትግሃትን ብቕዓትን በቲ ዝመርሖም መንግስቲ ዝምጥኖም መዓርግ ኮነ ነገራዊ ሓለፋ ዘንጸባርቕ መሰል ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ዜጋታት ብምዃኖም ጥራይ ብውሕዱ ዝሕለወሎም መሰረታዊ መሰላት ኣለዎም። ኣብ ሃገርካ ናይ ምንባርን ናይ ምንቅስቓስን፡ ወረቐት መንነትን ፓስፖርትን ናይ ምውናንን መጽለሊ እትሰርሕሉ መሬት ናይ ምርካብ …… ወዘተ፣ ዝኣመሰሉ መሰላት ክዕቀበሎም ይግባእ። ነዚኣቶም ንክትረክብ ኣብ ልዕሊ ዜጋ ምዃንካ ተገዲድካ ናይ ዝኾነ ሰልፊ ይኹን ሰብ መዚ መጣቕዕን መቀባጠር ምዃን ኣየድልን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ንክትነብር እትሕተቶ ግቡኣት ሕጋዊ ደረት ስለዘይብሉ ዝርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣተገባብራኡ ከኣ ግቡእ ምዃኑ ተሪፉስ ናብ ኣገልጋልነት ውልቀ ሰባት ዝቐረበ እዩ። ሃገር ክትከላኸሉ ተባሂሎም፡ ዋኒን ትምህርቶምን ሓዳሮምን ነፊጎም ተገዲዶም ዝወፈሩ ብግብሪ ግና ብዘይክፍሊት ናይ ኣዘዝቶም ኣባይቲ ክሃንጹን ጀራዲኖም ክኹስኩሱን ዝውዕሉ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ባርነት ሓሊፉ፡ ሃገራዊ ግቡኣም ይፍጽሙ ኣለዉ ክበሃሉ ዓገብ እዩ። እቲ ብዝተፈላለዩ ሸፈጣት ኣብ ዘይምልከቶም ውግኣት ዝሃልቅዎ ክውሰኾ እንከሎ ድማ እቲ ዓገብ ዝያዳ ይዓርግ። ካብዚ ሓሊፉ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን መሰል ምርካብ እሞ ይጽናሕ ደሃይ ቤተሰቦም ናይ ምፍላጥ መሰል እውን የብሎምን። ካብዚ ብዝገደደ ኤርትራ ብዜግነት ኣብ ሃገርካ ናይ ምቕባር መሰል እውን ብዘየኽብር ጉጅለ እትሳቐ ሲኦል እያ ኮይና ዘላ። እቲ በብሓደ ፈቐዶ ሃገራት ኣብ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ መሰል ዝንፈጎ ዘሎ ኣጽኒሕና፡ ኣብ ሃገር ኢጣልያ ንልዕሊ 11 ዓመታት ተኸዚኑ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ምቕባር መሰል ዝተነፍጎ ኣስከሬናት ምዝካር ጥራይ እኹል እዩ።
ከም ናይ ኤርትራ ብዝኣመሰለ መሰላት ዝነፍግ መላኺ ስርዓት ኣብ ዝምረሓ ሃገራት፡ መራሕተን ነቶም ዜጋታት ሓልዮም ዘይኮኑ፡ ምእንቲ ከገልግልዎም ዝፈቕድሎም ውሱናት መሰላት ኣለዎም። ዝተወሰነ ትምህርትን ጥበብን ንክቐስሙን ኣብ ዝተወሰነ ቁጠባዊ ንጥፈታት ንክሳተፉን የፍቅድሎም። እዚ ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ብኤርትራ እትውከል ሰሜን ኮርያ’ውን ይረአ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘመሓድር ዘሎ ጉጅለ ግና ኣደንቊሩ፡ ኣድክዩን ኩሉ መሰላት ከሊኡን ዝገዝእ ሕሉፍ ጨካን እዩ። ምስዚ ኩሉ ኤርትራውያን “ሃገርኩም ኣበይ እዩ?” ክንባሃል እንከለና መልስና ብሓበንን ኩርዓትን “ኤርትራ” ዝብል እዩ። ከምዚ ኢልና ምምላስና፡ ብኤርትራውነትና ክንረኽቦ ዝነበረና ዝተነፍግናዮ መሰል ከምዘሎ ብምዝጋዕ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ጸገም ኣብ ኤርትራውነት ዘይኮነ፡ ኣብቶም ዝመርሕዋ ዘለዉ ዓመጸኛታት ምዃኑ ናይ ምግንዛብና ሓላፍነታዊ መርኣያ እዩ።
ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ዝበሃል፡ ህዝባዊ፡ ዲሞክርሲያውን ፍትሓውን ብዝብሉ ንተግባሩ ዘይምጥኑ ቅጽላት ተሓቢኡ፡ ንግቡኣት ኣራጒዱ፡ መሰላት ነፊጉ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ’ዩ እሞ፡ ነቲ ብስም ዝመላኽዖ መንነቱ ብሓባር ናይ ምቅላዑ ቃልስና ነሕድስ መልእኽትና እዩ።