“ዓዋተ ብጋህዲ ነይሩ እዩ፡ ኣዳል ድማ ኣላ”

2024-09-05 18:40:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 368 times

ሓሚድ እድሪስ ዓዋተን ጐቦ ኣዳልን ፊትንፊት

ሓደ መድረኻዊ ዛዕባ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብቲ እዋኑ ብዛዕባኡ ምዝራብን ምጽሓፍን ዝተለምደ እዩ። ኣብ ኤርትራ 16 ዝበጽሓ ብወግዒ ዝዝከራ ዓመታዊ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ከም ዘለዋ ይንገር። ካብኣተን ሓንቲ ከኣ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እያ።

ከምቲ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና፡ 24 ጉንበት ክንጠቅስ ናይ ግድን ዝኸውን፡ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ከኣ ባሕቲ መስከረም፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተን ጐቦ ኣዳልን ጓሲኻዮም ዘይሕለፉ እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ መስከረም  ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ፡ ጐቦ ኣዳልን ምጅማር ተሓኤን ክለዓሉ ዝቐነዩ።  እቲ ኣለዓዕላን ኣመዛዝናን መሰረቱ ከይሰሓተ ከከምቲ መልዓሊኡ ዝተፈላለየ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። በዚ መሰረት ነቲ ታሪኻዊ ተረኽቦ ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ሜላታትን ምቕናዩ ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ደረት ሓሊፉ ክሳብ “ብሰብ ዝተሳእለ ሓሳባዊ እምበር ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝበሃል ኤርትራዊ ሓርበኛ ኣይነበረን። ጐቦ ኣዳል ዝበሃል ቦታ ከኣ ኣብ መሬት ኤርትራ የለን”፡  ክሳብ ምባል ክብጻሕ እንከሎ ግና፡ በሃልቱ “ኣይፋል ናብ ቀልብኹም ዳኣ ተመለሱ” ክበሃሉ  ዝግባእ እዩ።

ታሪኻዊ ጥምረት ዓዋተን ኣዳልን ብዙሓት ኤርትራውያን ብዕምቆትን ስፍሓትን ኣጽኒዖም ዝመዝገብዎ ኣብ ርእስሲ ምኳኑ፡ ነቲ ኣካል ባህርያዊ ትዕድልቲ ኤርትራ ዝኾነ ጎቦ ኣዳል የለን ምባል ከኣ፡ ኣቀማምጣ መልከኣ-መሬት ኤርትራ ዘይምፍላጥ ወይ ነቲ ጎቦ ኣልዒልካ ንኻልኦት ምዕዳል እዩ ዝመስል። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣቐዲሙ’ውን ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንሓርበኝነት ዓዋተ  ክሳብ  ብሽፍትነት ዝገልጽ ፈተነ ክሕደትን ምንእኣስን ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ፈተነ ስለዝነጸጎ፡ ኣብ ምጅማርን ጀማሪኡን ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ ክእመኑን ተገዲዶም እዮም። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ናይ 2024 ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ኣዝዩ ሓጺር መግለጺ’ኳ ስም ሓርበኛ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ክጠቅስ ኣይደፈረን። እዚ ከምዚኡ እንከሎ ብዛዕባ ዓዋተን ገድሉን ኣብ ጉግልን ዝኣመሰሉ ናይ ሓበሬታ ሰነድትን’ውን ሃሰስ ኢልካ ብቐሊሉ ዝርከብ እዩ። ካብቲ ሰፊሕ ታሪኽ  ቁሩብ ቀንጪብካ  ምጥቃስ ከኣ ይከኣል።

“ሓርበኛ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ብ1910 ኣብ መንጎ ተሰነይን ጐልጅን ኣብ እትርከብ ዓዲ ገርሰት ተወሊዱ። ሓረስታይ ወላዲኡ ዕጥቂ ስለ ዝነበሮ፡ ንወዱ ሓሚድ  ኣብ ንኡሱ ዕድመኡ ኣጠቓቕማ ብረት ዓሊምዎ። ኣብ 1935 ድማ ሓሚድ ወተሃደር ኢጣልያ ኮይኑ ተኸቲቡ። በቲ ዝነበሮ መንቋሕቋሕታ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ሮማ  ኢጣልያ ተላኢኹ። ድሕሪ ትምህርቱ ብግቡእ ተኸታቲሉ ምምላሱ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ተኸታታሊ ጸጥታ ኮይኑ ተመዲቡ ሰሪሑ። ሓሚድ ንቁሕ ስለ ዝነበረ ቋንቋታት፡ ትግረ፡ ትግርኛ፡ ናራ፡ ሕዳርብ፡ ኩናማ ከምኡ ድማ ጥልያን ይመልኽ ነይሩ። ድሕሪዚ ኩሉ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይጠዓሞን ምስ ምምሕዳር ኢጣልያ ስለ ዘየሳነየን፡  ናብ ሱዳን ተሰዲዱ።

ኣቦመንበር ፓርላማ ኤርትራ ዝነበሩ ሼኽ እድሪስ መሓመድ ኣደም ዝርከብዎም ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡ ምሁራትን ተመሃሮን ኣብ 1960 ኣብ ከተማ ካይሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) መስሪቶም። ድሕሪዚ ኣብ ሜዳ ነቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ተሓኤ መን ይምረሓዮ? ምስተባህለ፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ምስቲ ዝነበሮ ትብዓትን  ናይ ብረት ልምድን እሞ ምስቲ ዘርኣዮ ቅሩብነት፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ንእተበሰር ጉጅለ ክመርሕ ተመዚዙ። ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ድማ ካብ ከተማ ኣቑርደት ንወገን ምዕራብ ኣብ እትርከብ  ጐቦ ኣዳል  ኣንጻር ፍሉይ ሓይሊ  ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣስታት 30 ደቓይቕ ዝወሰደ ውግእ ብምክያድ መሪሕነታዊ ተልእኮኡ ኣበሲሩ። ብ28 ጉንበት 1962 ድማ ተሰዊኡ ኣብቲ ዝተሰወኣሉ ቦታ ብምስጢር ተቐቢሩ። ሓሚድ እድሪስ ዓወተ ከብቲ ገለ ወገናት ክብልዎ ዝፍትኑ፡ ዘይነበረ ክነሱ ብሓሳብ ዝተሳእለ ዘይኮነ፡ ህያው ነይሩ ዶር ከራር ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝተባህለ፡ ተማሂሩ ዝወለደን ዝዘመደን ዉዱ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት  ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኤርትራ ክዛረብ ዝስማዕን ዝረአን  ዘሎ እዩ። ነዚ ሓቅዚ ክሒዶም ኣይነበረን ወይ ብረታዊ ቃልሲ ኣየበሰረን ዝብሉ ወገናት እምበኣር፡ ኣብ “ሰብነቶም” እውን ጸገም ዘለዎም እዮም። ነቲ “ጐቦ ኣዳል” ዝብል ምስቲ ገለ ኢትዮጵያውያን ደረስትን ተረኽትን “ናይ ዓፋር ናይ ቀደም መጸውዒ ኣዳል እዩ ነይሩ” ዝብልዎ ከጋጭውዎ ይስምዑ እዮም።”

ኣብ ታሪኽ ክንነብርን ቀዳሞት ብዝሰርሕዎ ጥራይ ክንንየትን’ኳ ቅኑዕ እንተዘይኮነ፡ ታሪኽካ ምርሳዕ፡ ምኽሓድን ምንእኣስን ግና ሎሚኻን  ጽባሕካን ዝዘርግ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ሕጽረታት ታሪኽና ምኳኑ ተቐቢልና፡ ንናይ ትማሊ ፍጻመ ብመንጽርቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት እምበር፡ ሎሚ ብዘሎ ኩነታት ምምዛኑ ናብ ጌጋ እዩ ዝወስድ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጅመር እንከሎ ዝነበረ ሓፈሻዊ ዓለማዊ ኩነታትን ሎሚ ዘሎ ሓፈሻዊ ምዕባለን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ እዩ። ካብዚ ክንብገስ እንከለና፡ ብረታዊ ቃልስና ሎሚ ዝጅመር  ዘሎ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ካብቲ ናይ 1961 ዝተፈልየ መልክዕ ከም ዝሕዝ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን።

ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ ንምዕባለ መራኸብታት ጥራይኳ እንተወሰድና፡ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ መልእኽቱ ከበሳ ንክበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወሰደሉ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ብማዕዶ ኣብ ከበሳ “መሸላ ዘሪአ ዕፉን ከይሸወተ፡ ኣነስ ክኸይድ እየ ናብ ወዲ ዓዋተ” ብዝብል ዝተደርፈ፡ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት እቲ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። እቲ ኩነታት መራኸቢ ክሳብ ክንድዚ ኣጸጋሚ ነይሩ ክነሱ እቶም ናይ ሽዑ ተቓለስቲ ከም ሎሚ ብፈይስቡክን ብኢመይልን ዘይኮነ፡ ብእግሮም ተጓዒዞም ነቲ ብስራት ናብ ገጠራትን ከተማታትን ንምብጽሑ ዝገብርዎ ጻዕሪ መስተንክራዊ ነይሩ። ሎሚ ከምቲ ናቶም ሕራነ ለቢስና በዚ ዘሎ ምዕቡል መራኸቢታት ተጠቒምና  ከነድምዖ ካብ ዝነበረና ክሳብ ክንደይ ድሒርና ከም ዘለና  ክንግንዘቦ’ሞ ብሕራነ ክንበገስ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ እዩ።

ስለዚ ከምቲ “እነሀ ዝብል ኣይሓሱ” ዝበሃል፡ ካብቲ ንመሰረተ-ሓሳብ ሰውራና፡ ጀመርቱን ቀጸልቱን ሓርበኛታት ካብ ምንእኣሶም ጀሚሩ ሓሓሊፉ ድማ  ክሳብ ምኽሓዱ ዝዓርግ ዘሎ ወስታታት ህልውን መጻእን ቃልስና ጽኑዕ መሰረት ከምዘይህልዎ ዝገብር እዩ’ሞ፡ “ካብ ከምኡ ንርሓቕ”  መልእኽትና እዩ።

Last modified on Thursday, 05 September 2024 20:53