2ይ ዙር ዘተ ሱዳናውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ’ዩ
2024-08-05 06:13:31 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 211 timesኣብ ጉዳይ ሱዳን ሰፊሕ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል ካለኣይ ዙር ናይ ምድላው ኣኼባ፡ ካብ 9 ክሳብ 12 ነሃሰ 2024 ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየድ ምንጭታት ናይቲ ሕብረት ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ናይ ምድላው ዘተ፡ “ምስቲ ናይ ዝወደቐ ስርዓት ሓይልታት ውግእ ኣኼባ ምክያድ” ብምኹናን በዂሮም ዝነበሩ ኣካላት ሱዳን ኣብዚ 2ይ ዙር ከም ዝሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ዓቕሚ ሓይልታት ሰላምን ሲቪል ሕብረተሰን ሱዳን ኣብ ምስፋሕ ከም ዝሕግዝ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ኢጋድ፡ ላውረንስ ኮባንዲ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቡ ዘሎ ርክብ ሱዳናውያን ከም ዝካየደ ኣረጋጊጹ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ዙር ዘይንበርሩ ተሳተፍቲ ኣብዚ 2ይ ዙር ሰፊሕ ናይ ምስታፍ ዕድል ከም ዝወሃቦም ኣረጋጊጹ።
ምንጭታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ርክብ፡ ጉጅለ ተዳሙን፡ ብኣል ሓሰን ኣል መርቃኒ ዝምራሕ ሰልፊ ኡማን ካለኦት ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ዝበኾሩ ጉጅለታትን ከም ዝሳተፉ ኣረጋጊጾም። ብዛዕባ ተሳትፎ ናይቲ ኮሚኒስት ሰልፊ ሱዳን ግና ዝተረጋገጸ ጸብጻብ የለን።
እቲ ኣሰናዳኢ ኣካል ብወገኑ ነቲ ኣኼባ ዝምልከት ተክኒካዊ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ብኣል ሂሉ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሕርነት ህዝቢ ሱዳን፡ ብዓብደል ዋህድ ኑር ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን፡ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎ ሰልፊ ባዕስን ካለኦት ምንቅስቓሳት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ክሳተፉ እዮም።
ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ ብወገኑ፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ናይ ሱዳናውያን ኣኼባ ኣብ ዝምልከት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ክተሓባበር ምዃኑ ብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።