መራሕቲ ሱዳንን ኤመረትን ብኣካል ክራኸቡ’ዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ

2024-07-21 07:50:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 376 times

መራሒ ሱዳን ኣልቡርሃንን መሓመድ ቢን ዛይድን ብ2021 ካብ ዝገበርዎ ርክብ ዝተወስደ ስእሊ

መራሒ ወተሃደራዊ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልብሩሃንን መራሒ ሕቡራት ዓረብ ኤመረት መሓመድ ቢን ዛይድን ብ19 ሓምለ 2024 ብተለፎን ተራኺቦም  ከም ዝተዘራረቡ ኣገልግሎት ዜና ኤመረት ካብ ኣቡዛቢ ሓቢራ። ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ሱዳን ከኣ ነቲ ርክብ ደጊፎም፡ ጉዳይ ሱዳን ኣብ ሰላማዊ መዓርፎ ንክበጽሕ ኣበርክቶ ንክህልዎም ዘለዎም ተስፋ ምግላጾም እቲ ዝተዘርግሐ ዜና ኣፍሊጡ።

ካለኦት መድያታት ብወገነን፡ እቲ ናይ ተለፎን ርክብ ንክግበር ዘበርከተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ብምጥቅስ፡ ኣብ መጻኢ እቲ ርክብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣካል ክካየድ ተስፋ ከም ዘለወን ገሊጸን።

እቶም መራሕቲ ዝተዘራረብሉ ዛዕባ ብሓፈሻ ዝምድና ክልቴን ሃገራት ዝምልከት ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን ዘተኮረ ምንባሩን መሓመድ ቢን ዛይድ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ንምዕጋት ከበርክቱ ቃል ከም ዝኣተወን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ማዕከን ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ብወገና፡ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ኢመራት ንሓይልታት ጀነራል ዳጋሎ ብምሕጋዛ ህዝቢ ሱዳን ሕቶታት ከልዕል ተገዲዱ ከም ዘሎ ንመሓመድ ቢን ዘይድ ከም ዝጠቐስሉ ኣፍሊጣ። መራሒ ዲሞክራሲያዊ ሰውራ ሱዳን ያሲር ዓርማን ዝርከቦም ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ከኣ ነቲ ርክብ ብኣውንታ ብምጥቃስ “ኣገዳሲ ስጉምቲ ንሰላም” ክብሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኣፍደገታትን ምቅላል በደላት ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝዝቲ ኣኼባ ጀነቫ ግቡእ ግምት ንክህቦ’ውን ጸዊዖም።

ባቢከር ፈይሳል ሓላፊ ፈጻሚ ኣካል ፈደራላዊ ምጥርናፍ ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ርክብ “ሱጉምቲ ናብቲ ቅኑዕ ኣቕጣጫ” ብዝብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ተበግሶ ኤመራት ንበዓል ግብጺ፡ ሳዑዲ ዓረብያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ዘሳትፍን ናብ ሰፊሕ ዘተ ኣብ ዙርያ ውዕል ጅዳ ክምዕብልን ጸዊዑ።

ብዘይካዚ ፖለቲካዊ ጸሓፊ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን መሓመድ ዑስማን፡ ነቲ ርክብ “ኣገዳሲ ነጥበ-መቐይሮ” ድሕሪ ምባሉ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ  ኣብ ሱዳን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምምጻእ ብግብጽን ኤመረትን ዝተፈተነ እንተኾነ ዘይተዓወተ ተበግሶ’ውን ኣስሚርሉ።

ርኢቶ ናይቲ ብጀነራል መሓመድ ደጋሎ ሕመቲ ዝምራሕ ወገን ሱዳን፡ ኣብ ርክብ ጀነራል ኣልቡርሃንን መሓመድ ቢን ዛይድን እንታይ ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ኤመረት ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ከፊታ ንጀነራል ሒመቲ ብምዕጣቕ ክትክሰስ ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።

Last modified on Sunday, 21 July 2024 09:59