መግለጺ ሓዘን ብመስዋእቲ ኣልማዝ ወልዱ

2024-06-27 21:35:11 Written by  ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 142 times

ነባር ተጋዳሊት ኣልማዝ ወልዱ፡ ብ21 ሰነ 2024 ከም ዝዓረፈት ዝሕብር ዜና ምስ ተሰምዐ ኣዝዩ መሪር ሓዘን ተሰሚዑና። ብ1973 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈት ሓርበኛ ኣልማዝ ወልዱ፡ ካብ ግዜ ንእስነታ ጀሚራ ምእንቲ  ህዝባን ሃገራን ብተወፋይነት ዝተቓለሰት ምንባራ ታሪኻ ይሕብር።

ኣልማዝ ብዝነበራ ትግሃትን ተወፋይነት ኣብ መስራቲ ጉባአ ጠቕላላ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣባል መሪሕነት ኮይና ከም ዝተመርጸትን  ኣብ ዝተመደበቶ ጽፍሕታት ብብቕዓት ግቡኣ ዘወፈየትን ምንባራ ይፍለጥ። ኣብ ጉዕዞ ቃልሳ ሕውስቲ፡ ጠርናፊት፡ በዓልቲ ልዑል ተስፋን ኣዝያ ሓላይትን ርህርህትን  ከም ዝነበረት እውን ናይ ቀረባ መቓልስታ ይምስክራ።

እነሆ ከኣ ምእንቲ ሓርነት ይካየድ ኣብ ዘሎ ቃልሲ’ውን ከይበኾረት፡ ኣብ መወዳእታ ብዝሓደራ ሕማም፡ ብበዓል ቤታን ደቃ ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ ዓሪፋ፡ ከም ኩሎም ቅድሚኣ ዝተሰውኡ ብጾታ፡ ኣብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለትላ ሃገራ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይረኸበት  ተቓላሲት ኮይና፡ 5 ሓምለ 2024 ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ካስል ሓመድ ኣዳም ክትለብስ እያ።

ተቓላሲት ኣልማዝ ካብዛ ዓለም ብምት ምፍላያ፡ ዝተሰማዒ መሪር ሓዘን እንዳገለጽኩ፡ ብስም መላእ ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንነፍሰ-ይማሃር ኣልማዝ መንግስተ ሰማያት የዋርሳ፡ ንመላእ ስድራን ቤተሰብን ድማ ጽንዓት ይሃብኩ እምዳበልኩ፡ ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃና ይሕብር።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ

27 ሰነ 2024

Last modified on Friday, 28 June 2024 20:55