ኣንበሳድር ኤርትራ ነበር ዑቕባ ምሕታቱ ተሓቢሩ

2024-06-11 11:03:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 326 times

ኣምበሳደር ነበር ኣደም ዑስማን

ኣብ ስዊዘርላንድ ብምምሕዳር ህግደፍ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎ ተመዲቡ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣምበሳደር ኣደም ዑስማን፡ ክሳብ ሎሚኳ ኩነታቱ ከዘራርብ እንተጸንሐ፡ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ብወግዒ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ተፈሊጡ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳያት ዝግደስ፡ ጋዜጠኛን ደራስን ማርቲን ፕላውት፡ ነዚ ብዝምልከት ብ9 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ንኣደም ዑስማን ተኪኡ ዝተመደበ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ኣደም  ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ኣረጋጊጹ ነቲ ተግባሩ “ሃገራዊ ክድዓት” ከም ዝበሎ ኣረጋጊጹ።

ኣደም ዑመር ብ2019 ናብ ኣምበሳደር ኮይኑ ክምደብ እንከሎ፡ ዝለዓለ ጽንዓትን ብቕዓት ካብ ዝነበሮም ኣንበሳደራት ተባሂሉ ዝተመርጸ ምንባሩ ዝጣቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ብመጀመርያ ብ2016 ናብ ጀነቫ ከም ኣባል ናይቲ ኤምባሲ ክምደብ እንከሎ’ውን፡ “መንእሰይ ዲፕሎማት” ብዝብል ብዝነበሮ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ብቕዓት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ምክልኻል ክስታት ኣንጻርቲ ህግደፍ ልዑል ግደ ዝነበሮ እዩ። ኣደም ንህግደፍ ከም ኣንበሳደር ኣብ ፈደረሽን ስዊዘርላንድ ጥራይ ዘይኮ፡ነ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት እውን ወኪል ዝነበረ እዩ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሰብኣዊ መሰላት ብምጥሓስ ዝፍለጣ ሃገራት ክነሳ፡ ኣምበሳደ ኣደም ኣንጻርቲ ሓቀኛ ጸብጻባት፡ ንኹሉ ክስታት ብምቅዋም ኣብ ኤርትራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል የለን ብዝብል ሓቂ ብምሽፋን ዝፍለጥ ኣፈኛ ህግደፍ እዩ ነይሩ።

.እቲ ሓደሽ ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣኪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣምበሳደር ኣደም ዑስማን፡ መንግስቲ ነጺጉ ዑቕባ ዝሓተተሉ ምኽንያት ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ ኢሉ፡ ነቲ ተግባር ብቑጠዓ ክድዓት እዩ ብዝብል ምግላጹ፡ ኣብቲ ስርዓት ንዘሕደሮ ሕርቃን ከም ዘንጸባረቐ  ማርቲን ፕላውት ብተወሳኺ ጠቒሱ።

Last modified on Tuesday, 11 June 2024 13:07