ኣብ ክንዲ ምጽውዋር፡ ስለምንታይ ምቅትታል?

2024-05-21 14:36:40 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP News Read 574 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዝኾነ ሰብ ኣብ ህይወቱ ዘጋጥምዎ ጉዳያት ከምቲ ዝሓስቦ፡ ከም ዝኾነሉ ዝርእየሉ ናቱ መዕቀኒ ኣለዎ። ፖለቲካዊ ውዳበ ኮነ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እውን ከምኡ፡ ብመንጽር ድሌት ህዝብን ሃገርን የዋጽእ እዩ ዝብሎ ምዕባለታት ዝርእየሉን ዝዕቅነሉን ኣቕጣጫን ኣተሓሳስባን ኣለዎ። ባእታታት ኮኑ ውዳበታት፡ ኣብ ዘካይድዎ ርክባት ኣብ ምምዛን ተረእዮታትን ተረኽቦታትን ናይ ኣረኣእያ፡ ኣተሓሳስባን ረብሓን ፍልልያት የንጸባርቑ። እዚ ክሳብ ስድራቤት ዝወርድ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት፡ ሓቢርካ ምንባር፡ ምቅላስን ምስራሕን ዝረአ እዩ።

ሰባት ኮኑ ውዳበታት ብሰንኪ ፍልያቶም ብዓይኒ ጽልኢ ከይተረኣኣዩ ብስኒትን ስምምዕን ክነብሩ ይኽእሉ እዮም።  ነዚ ዘብቀዖም ከኣ ምክእኣሎም፡ ምጽውዋሮምን ትዕግስቶምን እዩ። ምጽውዋር ናትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ማለት ዘይኮነ፡ ንጉዳያት ብመትከል “እንካን ሃባን” ምምእዛዝ ማለት እዩ። ናይቲ ዝፍጠር ፍልልያት ምኽንያታት ብዙሓት እዮም። ናይ ዕድመ፡ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ደረጃ ትምህርቲ ተመኩሮ፡ ጠቕሚ ኣተሓሳስባ ,,,,,,,,,,, ወዘተ ካብቶም መንቀልታት ክኾኑ ዝኽእሉ እዮም። እንተኾነ፡  ብዕድመ ብሃይማኖት፡ ብተመኩሮን ብሃብትን ዝፈላለዩ ኣካላት በቲ ፍልልያቶም ከይተዓንቀፉ ኣሳንዮም ብዓወት ከም ዝነብሩ ብተግባር ዝተረጋገጸ እዩ። ናይዚ ሓቢሮም ምንባሮምን ምዕዋቶምን ምስጢር እምበኣር፡ ፍልልያት ምውጋዶም ዘይኮነ፡ ፍልልያቶም  ከመሓድሩን ክወሓሓጡን ምብቀዖም እዩ።

ናይ ልዕሊ 80 ዓመታት ተመኩሮ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ዝፍጠሩ፡ ክሳብ ሎሚ ክንድቲ ዝድለ ዘይተመሃርናሎም ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትን ሕድሕድ ወተሃደራዊ ምርጻማትን ናጻ ኣይነበረን። እንተኾነ ሳላ ህዝብና  ኤርትራዊ ዓንዲ ማእከሉ ዘይሰሓተን ንመትከል ምክእኣልን ምጽውዋርን ኣጽኒዑ ዝሓዘን፡ ብዙሓት ዝስገሩ  ዘይመስሉ ዝነበሩ ብደሆታት ሰጊርና ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ በጺሕና’ለና። ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ “ከቃትለናን ብዓይኒ ጽልኢ ከረኣእየናን” ዘይግበኦ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንመሃሃረሉ ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫታት ዘመንጩ ስለ ዝኾነ፡ ብጸጋ ተቐቢልና ብዝሰልጠነ ኣገባብ ክንቃንዮ መተገበኣና። ሓደ ኣካል የማነ-ጸጋም ርእዩ ምርጫታት ከየምዛዘነ ጠኒኑ ዝጐዓዝ እንተኮይኑ’ኳ “ሓንቲ ዝመንገዱ ከም ጻጸ” ተባሂሉ እዩ ብዓይኒ ድኽመት  ዝረአ።

ፍልልያትካ ዓቂብካ፡ ተኸኣኢልካን ተጸዋዊርካን ኣብ ጐደና ስኒት ምጉዓዝ፡ ቀሊል ከም ዘይኮነን ዘሓቶ ዋጋ ከም ዘለዎን፡ ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ብደረጃ ዞባና፡ ብፍላይ ከኣ ከም ኤርትራውያን ክንሓልፎ ዝጸናሕናን  ዘለናን ብደሆ መስካሪ እዩ። ግና ከኣ ክስገር ከም ዝከኣል፡ እቶም ስጡም ስኒት ኣለዎም እንብሎም ውዳበታት፡ ስድራቤታትን ካለኦት ናይ ሓባር መድረኻትን ኣብነት እዮም። እቶም ብሓድነቶምን ስኒቶምን እንቐንኣሎም ኣሳንዮም ዝጐዓዙ ትካላት ፈጺሙ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘየብሎም እዮም ማለት ኣይኩኑን።  ኣብዚ እዋንዚ “ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት” ከም ዝተመርጸ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ፍልልይ ኣብ ዝውሰደሉን ንምዕዋቱ ኣብ እንቃለሰሉን ኢና ዘለና። ናይ ኣተሓሳስባ  ፍልልያት ከተመሓድር ምብቃዕ ኣብቲ ዝተረፈ መዳያት ቃልሲ ብቑዕ ንክትከውን መሰረት እዩ። ኣብዚ መዳይ ምፍሻል ከኣ ኣብቲ ካልእ ዕማማት እውን ክትፈሽል ጠንቂ ከም ዝኸውን  ርዱእ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ናይቲ ዝፈላልየና ምኽንያት ዕምቆት ብዘየገድስ ከም ኤርትራውያን ኣብ ብዙሕ ንፈላለ ኮይና፡ እቲ ብዝለዓለ ደረጃ ንግለጸሉ ዘለና  ድማ “ተቓወምትን ደገፍትን ምምሕዳር ህግደፍ” ምብህሃልና እዩ። ፍልልይና ብሰንኪ ንተረእዮታት ተወሓሒጥካ ዘይምምዛኖም በቲ ግጉይ መንገዲ ሰማይ ይዓርጉ ከም ዘለዉ ንርእዮን ንሰምዖን ኢለና። ምኽንያቱ “ብናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራን ክቡሪ ህዝባን” እንሕበን ከነሰና፡  ካብ ብዓይኒ ጽልኢ ምርእኣይ ሓሊፍና ክሳብ ብህይወት ምድልላይን ምጉዳይ ኣካላትን በጺሕና፡ ኣሉታዊ ኣጀንዳ ናይ ብዙሓትን መዛረቢ ዓብይቲ መድያታትን ዓለምን ምዃና ኣዝዩ የሕዝን።

በስንኪ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምድጋሙ ዘሕፍር ደረጃ ምውራድና፡  ህግደፍ ዝመራሒኦም ንምርሕሓቕና ከም ዓወቶም ቆጺሮም ዝዕንገልሉን ዝያዳ ከነሃህሩና ዝደልዩን ስምዒትውያን መሳወርቲ ከምዘለዉ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ነቶም ኣብ ክንዲ በቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ እስራኤልን ካልእ ከባቢታትን ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ብዘጋጠመ ሞትን መድመይትን ተጣዒሶም፡ ናይ ሕውየትን ምትህድዳእን መንገዲ ዝምህዙ፡ ቋንቋ ሕነ ምፍዳይ ዘጉልሑ ዘለዉ ወገናት ብዘይቃለዓለም  ዓገብ ንበሎም። ካብዚ ሓሊፉ ኮነ ኢሎም፡ ነቲ ጽልኢ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናብ ዘሎ ስድራቤታት ከም ዝላባዕ ክገብርዎ ህርድግ ንዝብሉ ኣካላት ከኣ ብናይ ሓባር ናይ ስኒትን ሰላምን ቃል “ተግባርኩም ኣይቅቡልን’ዩ” ንበሎም። ነቶም ጽቡቕ ዘለዉ መሲልዎም ጽልኢ ኣብ ምንዛሕ ዝዋፈሩ ግሩሃት ድማ “ደሓር ከየጣዕሰኩም ናብ ቀልብኹም ተመለሱ”  ንበሎም።

ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ዘይምክእኣልና ክሳብ ምቅትታል ምብጻሕና፡ መርኣያ ሕመቕናን ድሕረትናን ምዃኑ ኣሚና እንሓፍረሉን ርእስና እነድንነሉን እምበር፡ ጅግንነት መሲሉና እንሕበነሉን እንፍክረሉን ኣይኮነን። ስለዚ ኢና ከኣ ደጊም፡ ናብ ልብና ተመሊስና  ናይ ክሳብ ሕጂ ምቅትታል ይኣክል፡ ንጉዳያት ብመንገዲ ፍትሒ ጥራይ መዕለቢ ክግበረሉ ክንደፍእ ዝግበኣና። ስድራ ቤት ዝሞቱን ዝደመዩ’ውን እቲ ዝኾነ ስለ ዘይምለስ፡ ሓዘኖም ክኢሎም ናብ መስርሕ ፍትሕን ሕግን ጥራይ ክቋመቱ  ኣኻእሎ ክህቦም  ነዘኻክሮም።

ነዚ ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ ቅትለትን እምባጋሮን ኣብ ክንዲ ወገን ቀተልትን ተቐተልትን እናዘርዘርካ ዝየድሊ መልክዕ ብምትሒዝ፡  መፍቶ ናይቶም  ሓድነትና ዘይወሓጠሎም ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ኣሰር ናይቶም ብዕርቂ ንክድቅስ ዝጽዕቱ ዘለዉ ግዱሳት ክንሕዝ ይገባና። ነቲ “ዝገበረኒ ክገብሮሲ ዓዲ ነየጋብር” ዝብል ምስላ ተኸቲልና፡ “ካብዚ ንደሓርከ ኣበይ እዩ ክንባጻሕ? ይኣክል”፡ ዝብል ድምጽና ከነስምዕ ሓላፍነት ኣለና። ድሕሪቲ ጸገም ምፍጣሩ እቶም ብድሕሪት ኮይኖም “ሓዞ ከይትሰዶ”  ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት፡ ኣብታ መወዳእታ ጸበባ ነቲ ደፋፊኦም ኣብ ገበን ዘውደቕዎ እሞ መጻኢኡ ምስተበላሸወ ኣካል ኣይክሓልፍሉን እዮም ጥራሕ ዘይኮነስ “ውልቀ ሰብ ዝገበሮ እዩ ኢሎም” ራህሪሐሞ ክሃድሙ እዮም። ስለዚ እስከ ነቲ “ኣብ ክንዲ ምጽውዋር ስለምንታይ ምቅታል?”  ዝብል ሕቶ ብጽሞና ተረዲእናን ኣስተምቒርናን  ንመልሶ። ኤርትራ ናይ ኩልና እያ፡ ባሓቲ መርሆ ንምውጋድ’ዩ ቃልስና።

Last modified on Tuesday, 21 May 2024 17:05