ተዂሲ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣባባ

2024-04-13 08:20:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 251 times

ብ12 ማዝያ 2024 ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሚልየንዩም ኣድራሽን ህንጻታት ሳንሻይንን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ክፍለ ከተማ ቦሌ፡ ኣብ መንጎ ፖሊስን ኣባላት መሪሕነት ፋኖ ዝተባህሉን ኣብ ዝተኻየደ ተኹሲ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘጋጠመ መግለጺ ፖሊስ ኮሚሽን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምጥቃስ ምክትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ፖሊስ  ኣዲስ ኣበባ  ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ፖሊስ ነቶም ኣባላት ፋኖ ንምሓዝ  ዘካየዶ ጻዕሪ ኢዶም ክህቡ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ምዃን ስለ ዝኣበዩ  ብዝተኻየደ  ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ፡ ካብቶም ብመኪና ክሃድሙ ዝፈተኑ  ኣባላት ፋኖ ክልተ ሞይቶም ሓደ ብዘይጉድኣት ከም ዝተታሕዘን ክልተ ኣባላት ፖሊስ  ከም ዝቖሰሉን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ካብ ፋኖ ዝተቐትሉ፡ ናሁሰናይ እንዳርጌ ታሪኩን ኣቤነዘር ጋሻው ኣባተን ክኾኑ እንከለዉ፡ ሃብታሙ አንዳርጌ ተሰማ ዝተባህለ  ድማ ብዘይጉድኣት ብፖሊስ ተታሒዙ። ናይቲ ጉጅለ መራሒ ናሁሰናይ ኣብ ናይ ጎንደር ፋኖ ሓደ ካብ መራሕቲ ከም ዝነበረ ድማ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝቖሰሉ ከኣ፡ ሳጅን አራርሳ ተሾመን  ኮንስታብል ማቲያስ ጴጥሮስን ዝተባህሉ ምዃኖም እቲ መገለጺ ጠቒሱ። እንዳርጋቸው ጌትነት ዝተባህለ ሰብ ድማ “ኣይተሓባበርካናን” ብዝብል በቶም ኣባላት ፋኖ ከም ዝተቐትለን ብዘይካቶም ኣባላት ፖሊስ ክልተ ካለኦት ከም ዝቖሰሉን እውን ኣብቲ ፖሊስ ዘውጸኦ መግለጺ ተጠቒሱ።

ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ኮነ ድሕሪኡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ከጋጥም ንመጀምርያ ምዃኑ ተሓቢሩ።

Last modified on Saturday, 13 April 2024 10:31