ጉጅለ ምቁጽጻር ሕብረት ኣፍሪቃ ዛላንበሳ በጺሑ

2024-04-07 18:59:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 589 times

ኣባላት ጉይጅለ ምቑጽጻር ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርቲ

ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ተልእኮ ምቁጽጻርን ምንጻርን ውዕል ፕሪቶርያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፡ ወረዳ ጉሎ-መኸዳን ከተማ ዛላንበሳ ከም ዝበጸሐ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እዚ ምብጻሕ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ን2ይ ግዜ ዝተኻየደ እዩ።

ኣብዚ ብ4 ማዝያ 2024 ዝተየደ ምብጻሕ፡ እቲ ጉጅለ ተቖጻጻሪ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስ ኣመሓደርቲ እተን ዝሰፈሐ ክፋለን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ኤርትራ ከም ዝርከባ ዝግለጻ፡ ወረዳ ጉሎመኸዳን ከተማ ዛላንበሳን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ። እቲ ምምይይጥ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያን ኩነታት ሃለዋት ህዝቢ እቲ ከባብን ዘድሃበ ከም ዝነበረ፡ ነቲ ጉጅለ መብርሂ ዝሃቡ ኣቶ በሪሁ በርሀ ከንቲባ ዛላንበሳ  ኣፍሊጦም።

እቲ ምይይጥ ናይቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ከባቢያዊ ኣመሓደርትን ከም ዝተሳተፍዎን፡ ብዛዕባ ህላወ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ኣብ ከተማ ዘላንበሳን 6 ቀበለታት ወረዳ ጉሎመኸዳን ከምኡ እውን እስትራተጅካዊ ኣሰፋፍራ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣፍደገ ከተማ ዘላንበሳ  ብዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታ ከም ዝተዋህበ እታ መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ።

ካብተን ካብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ብወገን ሰሜን ምስ ኤርትራ ዝዳወባ ከባብታት፡ ዛላንበሳ፡ ፋጽን ሰበያን ምዃነን ከኣ ኣብቲ ዜና ተጠቒሰን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ 75% ከተማ ዛላንበሳ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ 25% ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰፊሮም ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ እዋንዚ ምውጻእን ዘይምውጻእን ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራን ካብ ክልል ትግራይ ንውዕል ፕሪቶርያ ኣብ መንቀራቕሮ ኣእትየምዎ ካብ ዘለዉ ዛዕባታት ምዃኖም ይፍለጥ።

Last modified on Sunday, 07 April 2024 21:09