መግለጺ ካቢነ ትግራይን ውዕል ፕሪቶርያ ዘጋጥሞ ዘሎ ብደሆታትን

2024-03-26 08:15:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 345 times

ክልል ኣምሓራ ኣብ ስርዓተ ትምህርቱ መሬት ወልቃይትን ራያን ናብ ክልሉ ዘእተወ ሓድሽ ካርታ ምዝርግሑ ብምቅዋም፡ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብ25 መጋቢት 2024 ተሪር ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብቲ መግለጺኡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጌጋ ቀልጢፉ ንክእረም ጸዊዑ፡ እንተዘይ ተኣሪሙ ግና ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ዘዕቅፍ ክኸውን እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

መግለጺ ካቢነ ክልል ትግራይ፡ እቲ ካርታ እንተዘይ ተኣሪሙ፡ በቲ ከጋጥም ዝኽእል ሳዕቤት ዝሕተት ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ቅድሚ ሕጂ ክፍጸሙ ንዝጸንሑ ተመሳሰልቲ ጌጋታት ዘይምእራሙ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ኣካል እቲ ጸገም ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ ነቒፉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓንቀጻት ዘይምስምማዕ ይፍጠር ምህላዉ፡ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ እናሓደረ ናብ ወጥሪ ገጹ እዩ ዘምርሕ ዘሎ። ካብቶም ቀንዲ ዘይምስምማዕ ፈጢሮም ዘለዉ ጉዳያት፡ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኣምሓራን ኤርትራን ዘለዉ፡ ቅድሚ ውግእ ኣካል ክልል ትግራይ ዝነበሩ ከባብታት ናብ ዝነበርዎ ዘይምምላስን ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ሚልዮናት ተጋሩ ናብ መረብቶም ዘይምምላሶምን እቶም ቀንዲ እዮም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡  እቲ ናብ ዝነበሮ ይመለስ ዝበሃል ዘሎ መሬት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ክጸንሕ፡ ዝተመዛበሉ ወገናት ኣብ ትሕቲ ጸጥታዊ ሓላፍነት ሓይልታት ፈደራል ናብ ዝነብርዎ ክምለሱ፡ እቶም ነበርቲ ሓቢሮም  ዘመሓድርዎም ኣካላት ክመርጹ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ዋንነት ናይቲ መሬት ብረፈረንደም ክውሰን  ዝብል እዩ። ነዚ ክሳብ ሎሚ በብምኽንያቶም ክልቲኦም ክልላት ኣይተቐበልዎን።

ብዙሑት ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝዕዘብዎ ዘለዉ ኣካላት፡ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ እንተ ዘይተተግቢሩ ሳዕቤኑ ንኢትዮጵያን ትግራይን ጥራይ ዘይኮነ ዞባዊ ቅልውላው ከም ዘኸትል የጠንቅቑ ኣለዉ።

Last modified on Tuesday, 26 March 2024 09:19