ፖሓኤ ናይ ውድባቱ ኣባላት ሰፊሕ ኣኼባ ኣኻይዱ

2024-02-11 12:35:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 978 times

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ10 ለካቲት 2024 ናይ ውድባቱ ኣባላት ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣሰናዳእቲ ናይቲ መድረኽ ዕላማ ኣኼባ፡ ሕድሕድ ምልላይ  ኣባላትን ንናይ ሓባር ቃልሲ ምብጋስን ምዃኑ ኣፋሊጦም። ስዒቡ ኣቦመንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ኣቶ ገርዝግሄር ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ፖሓኤ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንከጽሕ ዝሰገሮም ብደሆታትን ዘመዝገቦም ዓወታትን ጠቒሱ፡ ኣብ ዝዓለሞ ንምጻሕ ዝጽበዮ ዘሎ ቃልሲ ብዝምልከት’ውን ኣብሪሁ።

ኣተሓሒዙ ድማ ፖሓኤ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣውጺኡ ኣብ መጻኢ ወርሒ ሓምለ 2024 ብፈስቲቫል ዝጽንበል ጉባአ ንምክያድ ይሰርሕ ከም ዘሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምስ ዝተፈላለዩ ኣብዚ ናይ ሓባር ጽላል ክሳተፉ ዝግበኦም ኣካላት ናይ ምዝታይ መደብ ሰሪዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ንተሳተፍቲ ሓቢሩ።

ኣብ ርእሲዚ ኣብዚ እንዋዚ ብደረጃ ኤርትራ ኮነ ጐረባብትና፡ ዞባናን ኣህጉርን ይረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ኣሰላልፋን ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ኣገጣጥመኦምን ዝምልከት ጠቒሱ።

ብምቕጻል ኣባላት ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ኣሕዋት፡ ያሲን ዓምደላ ምክትል ኣቦመንበር፡ ዮሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ እስማዒል ገበይቲ ሓላፊ ዜና፡ ካሕሳይ ጉፍላ ሓላፊ ማሕበራውን ገንዘባዊ ጉዳያትን ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓላፊ ውደባን በብተራ እቲ ዝመርሕዎ ክፍልታት ብዛዕባ ምጅማር ስራሓቶምን ንመጻኢ ዘለዎ መደባትን ዝምልከቱ መብርህታት ሂቦም።

ኣብቲ ብክልቲኡ ቋንቋታት ዓረብኛን ትግርኛን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ተዓዲሙ ዝተሳተፈ ኣቦመንበር ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓው ነጋሽ ዑስማን ብወገኑ፡ እተን ንፖሓኤ ዘቖማ 3 ውድባት ኣብዚ ደረጃ ምብጸሓን ዝተሰመዖ ሓጐስ ጠቒሱ፡  ዘለዎ ደገፍን ምትብባዕን ዘንጸባርቕ  ሰናይ ትምኒቱ ኣቕሪቡ።

ድሕርቲ ዝቐረበ ሓጸርቲ ጸብጻባት ተሳተፍቲ ኣኼባ ሕቶታትን ሃነጽቲ ርኢቶታትን ኣቕሪቦም። ሓለፍቲ ፖሓኤ ድማ በበቲ ዝምልከቶም ክፍልታት መልስን መብርህታትን ሂቦም። ካብቲ ብኣባላት ዝተንጸባረቐ ብዙሕ ሃነጽቲ ርኢቶታትን ለበዋታትን ከኣ፡ “ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ተማሂርና ነዚ ጀሚርናዮ ዘለና ናይ ሓባር መድረኽ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ከነብጽሖ ከምዘለና፡ እዚ ንቕሎ ናብቲ ሓድነትና ብሃንቀውታ ዝጽበ ህዝቢ ንክበጽሕ ኩሉ ዜናዊ መሳርሕታት ክንጥቀም ይግበኣናን፡ ነዚ ናይ ሓባር መድረኽ ኩሎም ዝምልከቶም ንክሳተፍዎ ጐስጓስና ክሕይል የድሊን ” ዝብሉ ይርከብዎ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ድሕሪ ናይ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ጻዕሪ፡ ብስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝቖመ  ብላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ዝምራሕ ዘሎ፡ ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ምውጋድ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ህግደፍን ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትክኡን ዘትከለ  ናይ ሓባር መድረኽ እዩ።

Last modified on Sunday, 11 February 2024 13:39