ነፋሪት ኢትዮጵያ ናብ ሃርጌሳ ከይትበርር ብመቃድሾ ተኸልኪላ

2024-01-17 19:54:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 431 times

ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፤ ብ17 ጥሪ 2024 ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዋና ከተማ ሶማሊላንድ ሃርጌሳ እናበረረት ከባቢ ከተማ ጅጅጋ ምስ በጸሐት ናብቲ ዝተበገሰትሉ ኣዲስ ኣበባ ክትምለስ ከም ዝተገደደት ፍላይት-24/FLIGHT-24፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እዛ ነፋሪት ክትምለሰ ዘገደዳ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን መንገዲ ኣየር ሶማሊያ ክኸውን እንከሎ፡ ምኽንያቱ ድማ ካብ መቃድሾ ወሳኒ ፈቓድ ከይሓተተት ጉዕዞ ስለ ዝጀመረት ምዃኑ ተፈሊጡ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣቶ መስፍን ጣሰው፡ ነዚ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ብርግጽ እታ ናብ ከተማ ሃርጌሳ ትጐዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ካብ መንገዲ ተመሊሳ እያ፡ ናይ ምምላሳ ምኽንያት ድማ ካብ ሰብ መዚ መንገዲ ኣየር ሶማሊያ ፈቓድ ስለ ዘይነበራ እያ” ከም ዝበለ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገና ኣፍሊጣ።

ካብ ራዳር ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ብዘካታ ካብ ጉዕዞ ዝተመልሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካልእ፡ ብሰብ መዚ መቃድሾ ኣፍልጦ ዝተሃብዋ ብስሩዕ ቁጽሪ በረራ ኢቲ-372 ዝተመዝገበት ብቲ ዕለት ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሰላም ሃርጌሳ ዓሪፋ እያ። እታ ብዘይፈቓድ ናብ ሶማሊላንድ ክትኣቱ ክትብል ዝተኸልከለት ሃቪላንድ-400 ዝዓይነታ ነፋሪት ከኣ ብቒጽሪ በረራ ኢቲ- 8372 ዝተመዝገበት ምንባራ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ዋና ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ብዛዕባ ዝርዝር ምኽንያትን ኣብታ ዝተመልሰት ኣብታ ፈቓድ ዘይነበራ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳተፍቲ መንነት ዝርዝር መብርሂ ክህብኳ ፈቓደኛ እንተዘይነበረ፡ ድሕሪ ኣብ መንጎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገብረ ምርድዳእ ግና ተመሊሳ ጉዕዞኣ ከም ዝቐጸለት ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ትራንስፖርት ሶማሊያ ግና እታ ነፋሪት ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣሳፊራ ዝነበረት ምዃና ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገ ድማ፡ ገለ ወገናት፡ ምስቲ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሶማሊያ ምስላፋ፡  መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ እትገብሮ በረራ ከይተቋርጽ ስግኣት ከም ዘለዎም ይገልጹ ኣለዉ።

Last modified on Wednesday, 17 January 2024 21:05