ሰብኣዊ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከም ዝርከብ ተገሊጹ

2023-12-27 10:24:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 333 times

ፍሪዶም ሃውስ/ FREEDOM HOUSE፡ ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ትካል ን9ይ ግዜ ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ “ኣዝዩ ዘሰክፍ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ ናጽነት ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝርከብ ኣቃሊዑ።  ንኤርትራ ካብ ሚእቲ ዝሃባ ነጥቢ 3 ጥራይ ኮይኑ፡ ንሱ ድማ ኣብ ሓፈሻዊ መዳይ ፖለቲካዊ ናጽነት 1/40፡ ኣብ ሲቪላዊ ናጽነት ድማ 2/ 60 ነጥቢ ጥራይ ብምርካባ እዩ።

እቲ ትካል ነዚ መጽናዕቲ ንምክያድ ኣስታት 86 መምዘኒ ነጥብታት ዝተጠቕመ ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕልና ፍትሒ፡ ድሕንነትን ውሕስነትን፡ ናጻ ምንቅስቓስ፡ ናጽነት ሃይማኖታዊ እምነት፡ መሰል ምውዳብን ምእካብን፡ ሓሳብካ ምግላጽን ምርካብ ሓበሬታን፡ ናጻ ናይ ሕድሕድ ርክባት፡ ሕጋውነትን ምውናን ንብረትን፡ ናጽነት ሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ፡ ብደረጃ ዓለም ምንጋድ፡ ምህላው ሕግታት፡ ኣብ ዝብሉ ወሲኽካ ኣብ ኩሎም እቶም መምዘንታት 0/4 እያ ተዋሂባ።

እቲ መጽናዕቲ ኣብቲ ከመይነት ህልዊ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ናይተን ሃገራት ዝገለጸሉ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ ምርጫ ኣካይዳ ዘይትፈልጥን ስልጣን ኣብ ኢድ ብዘይ ናይ ህዝቢ ድምጺ  ዝገዝእ ውልቀሰብ ዝተባሕተሉ፡ ብ1997 ጸዲቑ ዝተባህለ ቅዋም ዝተኣገደሉ፡ ኣብታ ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ሰልፊ ብኢሳያስ ዝምራሕ ህግደፍ ጥራይ ዝኾነሉ፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ምስዋርን ዜጋታት ልሙድ ዝኾነሉ፡ ኩለን ብሕታዊ መዲያትታ ዝተዓጸዋሉ፡ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ሰራዊት ናብ ጐረባብቲ እተውፍረሉ፡ ሰራዊታ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ቅትለት ስደተኛታትን ዝኽሰሰሉ፡ ብቐጻሊ ግዱድ ዕስክርና ኣብ ዝካየደሉ፡ ተመሃሮ ካብ ቤተሰቦም ተፈልዮም ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ክመሃሩ ኣብ ዝግደድሉ፡ ምጥፍፋእን ካልእ ጸረ ህዝቢ ተግባራትን ዝቆጻጸራ ናጻ ትካላት ኣብ ዘየብሉን ዝኣመሰሉን ኩነታት እትርከብ ሃገር’ያ ክብል ገሊጽዋ።

Last modified on Wednesday, 27 December 2023 11:30