ፈስቲቫል ህግደፍ ስቶክሆልም ኣብ 1ይ መዓልቱ ተመኪቱ

2023-08-03 19:59:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1019 times

ኣብ ስቶክሆልም ካብ 3 ክሳብ 6 ነሃሰ 2023 ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፈስቲቫል ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቱ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣይትኸውንን እያ” ዝብል ሓያል መኸተ መንእሰያት ኤርትራ ከም ዝመኸነ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ብምስሊ ኣሰንዮም ሓቢሮም። እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ንመኸተ ናብ ስቶክሆልም ክጐዓዙ ዝቐነዩ መእሰያት ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ማዕዶ እቲ ንህግደፍ ዝተፈቕደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ ፈቓድ ከም ዝነበሮም፡ ደሓር ብዝተራእየ ምዕባለ፡ ናብቲ ፈስቲቫል ዝተዳለወሉ ቦታ ጥሒሶም ምስ ኣተዉ፡ ክሳብ ምፍራስ ዳሳት ህግደፍ ከም ዝበጽሑ ተፈሊጡ።

ድሕሪቲ ኩነታት መንግስቲ ሽወደን ብሄሊኮፕተራትን ዘንብዕ መሳርሕታትን ዝተሰነየ ሓይሊ ፖሊስ ከም ዘዋፈረን ካብቶም መንእሰያት ሓያሎ ከም ዝተኣሰሩን ተፈሊጡ። ኣብ ልዕሊዚ ብንጹር ቁጽሮም ዘይተፈልጡ መንእሰያት ጉድኣት ኣጋጢሙ ዝብል ሓበሬታ እውን ኣሎ።

ህግደፍ ነዚ ምትእኽኻቡ፡ ባህሊ ናይ ምልላይንን ምምዕባልን ዝብል መሸፈኒኳ ዝህቦ እንተኾነ፡ ብግብሪ ግና ኤርትራውያን ተገዲዶም ናብ ኣዳራሻት ፈስቲቫል ከም ዝሳተፉ ጌርካ ገንዘብ ምእካብን ኣንጻር ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያንን ጐረባብቲ ህዝብታትን ናይ ጽልኢ ምልዕዓላትን ዝጥቀምሉ መድረኽ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ፈስቲቫላትን ኣኼባታት ህግደፍ ኣብ ጀርመንን ዓባይ ብሪታንያን ፍሽለት ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ መዓልታት ኣብ ከናዳን ስያትል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ተወጢኑ ዘሎ ፈስቲቫላት ብተመሳስሊ ኣገባብ ንክፈሽል ኤርትራውያ ዝሰርሕሉ ዘለዉ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ኣንጻር ፈስቲቫላት ህግደፍ እናሓደረ ዝግንፍል ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል ብዝምልከት፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝተቓነዐ 4ይ ጉባአኡ “ህዝባዊ ማዕበል ብሓፈሽኡ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝካየድ ምንቅስቃስ ድማ ብፍላይ ንመጻኢ እውን ብቀንዱ መሰረቱ ሕጋዊ ኣገባብ ዝኽተል፣ ንህግዲፍ ካብተን መንግስታትን ህዝብን ብዝንጽልን ብዘይምዝመዝን ኣገባብ ክቕጽሎ ኣተባቢዑ። ኣብ ርእሲዚ ሰዲህኤ ኣብ ጐኒ ሕጋውን ትካላውን መኸተ ብርጌድ ንሓመዱ ኮይኑ፣ ዘድሊ ምትሕብባር ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ። ምባሉ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Thursday, 03 August 2023 22:07