የመናዊ ሚኒስትሪ ንተግባራት ኤርትራ ኮኒኑ

2023-07-17 18:38:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 528 times

ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን፡ ብ15 ሓምለ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኤርትራ ኣማኢት የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብምእሳርን ንብረቶም ብምርሳይን ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ብትሪ ኮኒኑ። በቲ ኣገልግሎት ዜና የመን ካብቲ ሚኒስትሪ ተላኢኽሉ ዝዘርገሖ መግለጺ መሰረት፡ ሓይልታት ኤርትራ ነቶም ኣብ ክሊ ማይ ሃገሮም ዓሳ ዝገፉ ዝነበሩ የማናውያን ንዝፈጸምዎ ዝተፈላለዩ ጭካነታት እዩ ብትሪ ኮኒንዎ።

እቲ መግለጺ ኣል ኑሲ ዝተባህለ ነባሪ ዋጂሃ ከባቢ ድሁባብ ገፋፍ ዓሳ ጠቒሱ፡ ብ13 ሓምለ 2023፡ ኣብ ክሊ ማይ የመን፡ ሓይልታት ኤርትራ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ፡ ኣንጻር እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝተፈጸመ ተግባራት ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት እዩ ኢልዎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ሚኒስትሪ ግሁድ ገበናዊ ተግባራት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣንጻር የመናውያን ዳርጋ መዓልታዊ ዝፍጸም ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ኣንጻር ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝጠሓሰ እዩ ኢልዎ።


ናይቲ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ መግለጺ፡ የመናውያን ኣብ ክሊ ማዮም፡ ብኤርትራውያን እንዳተቐተሉ፡ እንዳተኣስሩን እንዳተጨወዩን ስቕታ ንዝመረጻ ሰብኣዊ ትካላት ኮኒኑ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መግለጺ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ኤርትራውያን ሓለፍቲ፡ በቲ ኣብ ክሊ ማያት የመን ዝወስድዎ ዘለዉ  ጨካን ተግባራት ተሓተትቲ ዝኾሉ ንጹር መርገጺ ክሕዝ ጸዊዑ።

 

Last modified on Monday, 17 July 2023 20:47