ጸገማት ኤርትራውያን ካብ ካርቱም ንምውጻእ

2023-05-01 18:05:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 621 times

ክፋል ምስሊ ናይታ ህዝቢ ገዲፍዋ ዝወጽእ ዘሎ ከተማ ካርቱም

ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣብ ሱዳን፡ ብፍላይ ድማ ነበርቲ ከተማ ካርቱም ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ማሕበራውን ቁጠባውን ናይ ህልውና ጸገማት ወዲቖም ከም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ኣፍሊጦም። እዞም ኤርትራውያን ኣብ ካርቱም ብሰንኪ ውግእን ስእነት ኩሉ ቀረባትን ምቕጻል ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነሉ፡ ብሓፈሻ ናብ ኩሉ ኩርነዓት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ክወጹ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ካብቲ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት፡ እቲ ጸጥታዊ ድሕንነቶም ብዓይኡ ኮይኑ፡ ናይ መጐዓዝያ ዘጸግም ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝርካቡ ድማ ወጻኢኡ ብብዙሕ ዕጽፍታት ምውሳኹ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ከም ኣብነት ከም ዝጠቕስዎ፡ ካብቲ ዝነበሮ ዳርጋ ብሚእቲ ዕጽፊ ወሲኹ፡ ካብ ካርቱም ናብ ገዳርፍ ክሳብ 120 ሺሕ ጅኔ፡  ናብ ከሰላ 170 ሺሕ ጅኔ፡ ናብ ዶብ ኤርትራ  ክሳብ 200 ሺሕ ጅኔ ከምኡ እውን  ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ክሳብ 200 ሺሕ ጅኔ ከም ዝበጽሐ ሓቢሮም።

ኤርትራውያን ካብ ካርቱም ከሰላ ምስ በጽሑ፡ ኣብኡ ክነብሩ እንተደልዮም ከምዘይፍቀደሎምን ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ክኸዱ ከም ዝግደዱን እቲ ሓበሬት የረድእ። ናይ ስደተኛ መንነት ወረቐት ዘለዎም  ከይተረፉ፡ ናብ ኤርትራ ክኸዱ ከም ዝግደዱን ነዚ ዝከታተላ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብቲ ቦታ ከም ዘየለዋን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ። ካብዚ ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ምዃድ እሞ ኣደዳ ማእሰርቲ ምዃኑ ክሃድሙ ካብ ዝፈተኑ እሞ ዝተጐድኡ ሓያሎ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ጌና ናብ ኤርትራ ከም ዝውሰዱ ዝፈለጡ ኣቐዲሞም ካብቲ ዝነበርዎ ቦታ ብሓይሊ ፈንጺጎም  ዝስወሩ ከም ዘለዉ ከኣ ተሓቢሩ። እቲ  ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብቐንዱ ናይ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተጽዕኖን ውዲትን ምዃኑ ነቲ ኩነታት ብደቂቕ ዝተኸታተልዎ ኣካላት የቃልዑ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ብወገን መተማ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለዉ። እቶም ምስኣቶም ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ናብ ዝደለይዎ ከባቢ ክኸዱ ክፍቀደሎም እንከሎ፡ ነቶም ኤርትራውያን ግና  ብትርሪ ከም ዝቆጻጸርዎምን ምናልባት እውን ናብ መደበር ስደተኛ ከእትውዎም መደባት ከይህልዎም ይግመት። ንወገን ደቡብ ሱዳን ዝወጹ ኤርትራውያን እውን ተመሳሳሊ ጸገማት ከም ዘጋጥሞም ይንገር ኣሎ።

Last modified on Monday, 01 May 2023 22:19