ዜናዊ ጸብጻብ ህጹጽ ኣኼባ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

2023-04-28 06:49:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1124 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ26 ሚያዝያ 2023 ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ሰፊሕ ዳህሳስ ኣካይዱ። ድሕሪቲ ዳህሳሱ መፍትሒ ዝበሎም ነጥብታት መሰረት ብምግባር ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታ ከቕርብ እንከሎ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብ20 ሚያዝያ 2023 ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምድጋፍ ምዃኑ ኣንጺሩ። 

ኣኼባ ኣብ ዳህሳሱ፡ ህዝቢ ሱዳን ብነዊሕ ዝተሓላለኸ ታሪኽ ዝሓለፈ፡ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ፕረሲደንት ሱዳን ነበር ጀነራል ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ዝምራሕ መንግስቲ ንሰላሳ ዓመታት፡ ምስዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝሓልፎ ዘሎ ዝመሳሰል መሪር ህይወት ዘሕለፈ ምዃኑ መዚኑ። እንተኾነ ህዝቢ ሱዳን፡ ነዚ ወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሉ ዘይተቐበለ ተባዕ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ተኸታታሊ ቃልሲ ኣካይዱ፡ ብ2019 ንስርዓት ዑመር  ሓሰን ኣልበሽር ምውጋዱ ተስፋ ዝህብ ከም ዝነበረ ዘኪሩ።

ህዝቢ ሱዳን ምምሕዳር ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ንምውጋድ ኣብ ዘካየዶ መሪር ቃልሲ፡ ናይ ሰራዊት ሱዳን ዝተወሰነ ምትሕብባር ምርካቡ ዝተገንዘበ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ድሕሪ ውድቀት ዑመር ኣልበሺር ህዝቢ ሱዳን ናብ ብህዝቢ ዝተመርጸ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ዘብጽሕ መሰጋገሪ ስርዓት ንምፍጣር ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ’ውን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ምኻኑ ኣስተብሂሉ፡፡ ይኹን’ምበር ኣብቲ መስርሕ ብጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊትን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ  ተወርዋሪ ረዳት ሓይልን ከም ነብሶም ዝኸኣሉ ክልተ ተጻረርቲ ወተሃደራዊ ኣካላት ኮይኖም ምስታፎም ሓደ ካብቲ ሎሚ ተፈጢሩ ናብ ዘሎ ውግእ ዘምርሐ ምንባሩ ገምጊሙ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ዝተገብረ መስርሕ፡ ህላወ ክልተ ወተሃደራዊ ክንፍታት ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ፡ ንክተሓናፈጹኳ ስምምዕ እንተነበረ፡ ድሕሪ ምትሕንፋጽከ መን ይምራሓዮ?” ዝብል ፍልልይ ናብቲ ተጋሂዱ ዘሎ ውግእ ከም ዘብጸሐ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ እቲ ብዓብይኡ ንህዝቢ ሱዳን ውሑስ ሰላምን ዲሞክራስን ከምጸኣሉ፡ ኣብ ምርግጋእ ዞባና ድማ ኣበርክቶ ክህልዎ ተስፋ ዝተነብረሉን ህዝቢ ሱዳን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉን መስርሕ ተኾሊፉ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ዕንወት ምውዳቑ ሓዘን ከም ዝስመዖ ብምርዳእ ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣብ ደማዊ ውግእ ኣትዮም ዘለዉ ሱዳናውያን ወተሃደራዊ ወገናት፡ ብህጹጽ ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ጉዳዮም ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ዘተ ንክፈትሑን እቲ ተኾሊፉ ዘሎ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ናይ ምስጋር መስርሕ ክቕጽልዎን፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተፈላለያ ሃገራትን ክልቲኦም ወገናት ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ግዜ ከይበልዑ ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ክቐርቡ ንዘቕርበኦ መጸዋዕታ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ከባብታት ዝነብር ህዝቢ ሱዳን፡ ኤርትራውያንን ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ካብቲ ብሰንኪ ውግእ ገጢምዎም ዘሎ ወጥሪ ዝወጽሉን መሰረታዊ ሰብኣዊ ረዲኤትን ኣገልግሎትን ዝረኽብሉን ኩነታት ንክፍጠር ጸዊዑ።

ናይ ቀረባን ርሑቕን መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ኣብ ሱዳን ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ክኣትዉ ተጽዕኖአን ከሕይላ ደኣምበር፡ ንረብሐአን ክብላ ነቲ ውግእን ሳዕቤናቱን ዘጋድድ ኢድ ምትእትታው ከይገብራ ተማሕጺኑ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት  ኣብ ሃገር ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሓደጋ ከይወድቁን ድሕነቶምን መሰላቶምን ክሕሎን ኣብ ልዕሊ ምጽዋዕ፡ ሰርዓት ኢሳያስ ነቲ ኩነታት መዝሚዙ ኣብ ኢዱ ዝወደቑ ኤርትራውያን ካብ ምእሳርን ምዕስካርን ንድሕሪት ስለ ዘይብል፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሱዳን ነዚ ሓደጋ ኣብ ግምት ከእትዉ ኣዘኻኺሩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ሱዳን ሓውን ጐረቤትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መስርሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝነበሮ ልግስን ኣበርክቶን ግቡእ ክብሪ ከም ዝህብ ኣረጋጊጹ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ምእንቲ ራህዋኡን መሰሉን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ኣብ ጐድኑ ከም ዝስለፍ ኣረጋጊጹ።

27 ሚያዝያ 2023

Last modified on Friday, 28 April 2023 08:56