ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ክገሹ እዮም

2023-03-10 20:15:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 586 times

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ካብ 14 ክሳብ 17 መጋቢት 2023  ኢትዮጵያን. ኒጀርን ከም ዝበጽሑ ቤት ጽሕፈቶም ብ10 መጋቢት 2023 ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ሰክረታሪ ብሊንከን 15 መጋቢት 2023 ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ምትእትታው መሰጋገሪ ፍትሕ ኣብ ኢትዮጵያን ዝምልከቱ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ክመያየጡ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።

ብዘይካዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ  ዘይመንግስታዊ ትካላትን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን   ተራኺቦም ብዛዕባ ዝርጋሐ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ውሕስነት መግብን ሰብኣዊ መሰላትን ክዘራረቡ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዝጸንሕሉ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመድ ተራኺቦም ብዛዕባ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሓበሬታ ክለዋወጡ እዮም። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕብቲ ኣብ ርክብ መራሕቲ ኣሜሪካ-ኣፍሪቃ ኣብ መዳያት፡  ምቅይያር ኩነታት ኣየር፡ ውሕስነት መግቢ፡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ዲያስፖራን ኩነታት ጥዕና ዓለምን ክመያየጡ ምዃኖም እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ።  ከምኡ እውን ኣብዚ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ምይይጥ፡ ብሊንከን ኣሜርካ ኣብቲ ምስ ኣፍሪቃ ብሓባር ዝካየደ ስረሓት እትህቦ ሓገዝ ከጉልሑ እዮም።

ኣንቶኒ ብሊንከን 16 መጋቢት 2023 ኣብ ኒጀር ኣብ ዝበጽሕሉ ድማ፡  ምስ ናይታ ሃገር መራሒ መሓመድ ባዜምን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሃሶሚ ማሳውዶን ኣብ ከተማ ኒያሚ ክራኸቡ እዮም። ኣብቲ ርክቦም ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣሚሪካን ኒጀርን ኣብ መዳያት፡ ዲሞክራሲ፡ ዲፕሎማሲ፡ ዕቤትን ሓይሊ ምክልኻልን ዘሎ ርክባት ዝምልከቱ ጉዳያት ከልዕሉ ምዃኖም ተፈሊጡ። ብዘይካዚ ብሊንከን ካብቲ ጐንጺ ዝነበረሉ ከባቢ ኒጀርያ ዕጥቆም ምስ ዝፈትሑ መንእሰያት ከም ዝራኸቡ ተሓቢሩ።

Last modified on Friday, 10 March 2023 21:26