ም/ኮሚሽነር ናዳል አል-ናሺፍ ኣብ ኤርትራ ለውጢ የለን ኢለን

2023-03-07 20:21:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 833 times

ምክትል ኮሚሽነር ናዳል ኣል-ናሽፍ

ሊባኖናዊት ምክትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናዳል ኣል-ናሺፍ፡ ብ6 መጋቢት 2023 ናብቲ ኣብ ከተማ ጀንቫ ዝካየድ ዘሎ መበል 52 ጉባአ ናይቲ ባይቶ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረብኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል  እናኸፈአ ዝኸይድ እንተዘይኮይኑ ምምሕያሽ ከም ዘየርኣየ ምብርሀን ካብቲ ጉባአ ዝተረኽበ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እተን ምክትል ኮሚሽነር ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ከም መርተዖ ኣብ ዘቕረባሉ፡ ቤት ጽሕፈተን ካብ ኤርትራ፡ ናይ ሰባት ምስቓይ፡ ብኣልማማ ምእሳርን ብዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ምስቓይን ከም ዝፍጽሙ ዘመልክት ቀጻሊ ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ኣረጋጊጸን። እቲ ኩነታት ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ ዝያዳ ከፊኡ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት መሊሱ ከም ዝገደደ እውን ጠቒሰን።

ጸብጻበን ብምቕጻል፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት ኣራሚ ስጉምቲ ከም ዘይተወስደ ጠቒሰን፡ ነዚ ንምብራህ ከም ኣብነት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ  ጥሕሰት ዓለለኻዊ ሰብኣዊ መሰልን ሕግታትን  ፈጺሙ ከብቅዕ ተሓታትነት ንምርግጋጽ ዝተወስደ ስጉምቲ ዘይምህላዉ ኣስፊረን። ቅድሚ ሕጂ ናይ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽናት ሰብኣዊ መሰል ብሓባር፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናይ ውግእ ገበን ከም ዝፈጸመ ዝሕብር ጸብጻብ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ እውን ጠቒሰን።

ኣብዚ ምክትል ኮሚሽነር ናዳል ኣል-ናሺፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጻኢ እውን ከመሓይሽ እዩ ዝብል እምነት ከምዘየብለን ዘነጸራሉ መድረኽ፡ እቲ ባይቶ ኣቐዲሙ  ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተሉ  ናይ ዝመዘዞም ሱዳናዊ ኮሚሽነር መሓመድ ዓብዱልሰላምን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል  ቫኔስ ስዩምን እውን ጸብጻብ ሰሚዑ እዩ።

ኣብቲ ጉባአ ወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ፈረንሳን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ነቲ ኣብ ኤርትራ ለውጢ የለን ዝብል በተን ምክትል ኮሚሽነርን ካለኦትን ዝቐረበ ጸብጻብ ዝድግፍ ሓሳብ ከም ዘንጸባረቑ እቲ ካብቲ ጉባአ ዝወጸ ሰፊሕ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብቲ ጉባአ ዝነበረ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣደም ዑስማን እድሪስ፡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ኣብቲ ዝተላዕለ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ዛዕባታት ኣተኩር፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ጥሕሰት ከም ዝፍጸም ብምጥቃስ ጸብጻብ ዘቕረቡ ኣካላት፡ ፖለቲካዊ ተልእኮ ዘለዎም እዮም ብዝብል ናብ ምኽሳስ ከም ዘድሃበ ተሓቢሩ።

Last modified on Tuesday, 07 March 2023 21:32