ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኣኼባ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ

2023-02-27 20:04:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 845 times

ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይ ዓመተ 2022 ንጥፈታቱ ንምግምጋምን ክሳዕ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ክፍጸሙ ብዛዕባ ዝግብኦም ዕማማት ንምዝርራብን ብ26 ለካቲት 2023 ናይ መላእ ኣባላቱ ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ጸብጻብ ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ናይ 2022 ዓ.ም፣ ምስ ዝተፈላለዩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝግበር ናይ ሓባራዊ ቃልሲ ዘተ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ፡ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ከምኡውን መስርሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ናይሮቢን ጽልዋታቱ ኣብ ኤርትራን ዘጠቓለለ ጸብጻብ ብብጻይ ብርሃነ ደበሱ ሓላፊ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ቀሪቡ። 

እቲ ቤት ጽሕፈት ካብ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ብዝተዋህቦ እዋናዊ ዕማማት ከምኡውን ኣባላት ቤት ጽሕፈት ኣቐዲሞም ብዘውጽኡዎ መደብ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስሉጥ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስርሓት ከምዝፈጸመ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተገንዚቦም፡  ኣብ መጻኢ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታቶም ኣሐይሎም ምዃኖም ከኣ ኣረጋጊጾም። 

ንሓባራዊ ስራሕን ጽምዶን ተቓወምቲ ሓይልታት ብዝምልከት፡ እቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2017 ዘቕረቦ እማመ ናይ ሓባራዊ ስራሕ ዳርጋ ብምሉእ ደንበ ተቓውሞ ተቐባልነት ረኺቡ ይስርሓሉ ምህላዉ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም። ሰዲህኤ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ንዘለዎ ጽኑዕ መርገጽ እውን ንኢዶም፡  ከምቲ ዝድለ ንክትግበር ኩሎም ዝምልከቶም ንክጽዕቱ  ለበዋኦም ከም ዘመሓላለፉ ከኣ እቲ  ካብቲ ኣኼባ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። 

ተሳተፍቲ ኣኼባ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት ኣብ ዝተመያየጥዎ፡  እቲ ዓለም ዘሰክሐ ውግእ ትግራይ፡ ብሰላም ናብ ዝፍትሓሉ መድረኽ ብምብጽሑ ዝተሰምዖም ሓጎስን እቲ መስርሕ ብዓወት ክፍጸም ዘለዎም ሰናይ ትምኒትን ገሊጾም። ህዝቢ ትግራይ ብዘርኣዮ ጽኑዕ ሓድነትን ተወፋይነት ዝመልኦ መስዋእትን ካብ ዕጽዋን ክባን ወጺኡ ናብ ንቡር ንክምለስ ተታሓሒዙዎ ብዘሎ ጻዕሪ፡ ባህጉን ድልየቱን ዝተማልአ  ክኾነሉን ድማ ኣኼባ ተመንዩ።

እቲ ኣብቲ ዘይምልከቶ ኲናት ብልዑል ደረጃ ዝተዋስአ ስርዓት ህግደፍ ብዘውረዶ ናይ ሂወትን ንብረትን ዕንወት ብሕጊ ተሓታቲ ክኸውንን እቲ ንሱ ደዊኑዎ ዘሎ ክብርን ምስልን ኤርትራ ናብ ንቡር ክምለስን ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን  ብዕቱብ ክንስርሓሉ ኣኼባ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ። ከባቢና ብዘለዎ ኣቐማምጣን ዝውንኖ ዕቑር ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ንዓይኒ ብዙሓት ስሒቡ ኩሎም ሓያላት ዓለምና ከመናጠልሉ ይጓየዩ ስለዘለዉ፡ ምስቶም ንፍትሒ፡ ሰላም፡ ሓድነትን ልኢላውነትን ኤርትራ ዝድግፉ ሓይልታት ዝምድናና ንምሕያል ንክንቃለስ ተሳተፍቲ ኣኼባ ከም ዘተሓሳሰኡ እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መደምደምታ፡ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ፡  ኣብ ርእሲቲ ዝምድና ንምሕያል ዝገብርዎ ጻዕሪ፡ 4ይ ጉባአ ሰልፎም ንምዕዋት ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝጽዕቱ ምርግጋጾም እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

Last modified on Monday, 27 February 2023 21:09