ኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያ ኢትዮጵያ፡ ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ተፈቲሑ

2023-02-15 21:07:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 680 times

ኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓደገኛ ወጥሪ ብሰላም ከም እተፈትሐ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ። እቲ ወጥሪ ዝተፈጥረ 3 ጳጵሳት ናይታ ቤተክርስትያን፡ ብ22 ጥሪ 2023 ብኢደወነኖም 26 ኤጲስቆጶሳት ቀቢኦም፡ “ናይ ኦሮሞን ብሄር ሄረሰባትን ሲነዶስ ክንምስርት ኢና” ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም ብግብሪ ብምንቅስቓሶምን እዩ።

ነዚ ስጉምቲ ተኸቲላ እታ ብፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ እትምራሕ ዕላዊት ሲነዶስ ኢትዮጵያ፡ ብ26 ጥሪ 2023 ብዝወሰነቶ መሰረት፡ እቶም ካብ ሕጊ ሲነዶስ ወጻኢ ዝተንቀሳቐሱ፡  ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ኣውንጣጢዎስን ኣቡነ ዜናማርቆስን ዝተባህሉ ጳጳሳትን ንሳቶም ዝቐብእዎም 26 ኤጲስቆጶሳትን መዓርግ ጵጵስናኦምን ክህነቶም ተቐንጢጡ ብናይ ቀደም ስሞም ኣቶ ተባሂሎም ክጽውዑ ወሲና።

እንተኾነ እቶም መዓርጎም ዝተቐንጠጡ ጳጳሳት፡ ነቲ ውሳነ ነጺጎም፡ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝተወሰኑ ኣብያተ-ክርስትያን ክቆጻጸሩ ፈቲኖም። ተኸተልቲ ተዋህዶ ብወገኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ፡ “ሕጋውያን ስለ ዘይኮንኩም ናብ ቤተ-ክርስትያና ኣይነእትወኩምን” ብምባሎም፡ ዕጡቓት ሓይልታት ክልል ኦሮሞ ብዘርኣይዎ ኢድ ኣእታውነት ብዙሓት ካብኣቶም ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብተደጋጋሚ ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ምእታዉ በታ ቤተክርስትያን ክኽሰስ ምስ ጸንሐን ኣስታት 60 ሚልዮን ተኸተልቲ ኣለዉኒ እትብል ኦርተደኩስ፡ “ኣብ ሓደ መዓልቲ ብደረጃ ሃገርን ዓለምን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክጽውዕ እየ” ምስ በለትን መስርሕ ዕርቂ ከካይድ ተገዲዱሩ።

በዚ መሰረት፡ እቶም ካብ ቆኖናዊ ሕጊ ቤተክርስትያን ወጻኢ ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ጳጳሳት፡ ይቕረታ ክሓቲቱ’ሞ ናይ ቅድም መዓርጎም ክምለሰሎም ተሰማሚዖም። ከምኡ ድማ እቶም በቶም 3 ዝተቐብኡ ኤጲስቆጰሳት ናብቲ ናይ ቅድም መዓርገ-ክህነቶም ክወርዱ ብ15 ለካቲት 2023 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካለኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ሊቀ ጳጳሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዕርቂ ፈጺሞም።

ከም ኣካል ናይቲ 10 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ኦሮሞ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ነቲ ኣማኒ ብዝርደኦ ቋንቋ ንክወሃቦ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ክቕጽልን ምኽፋት ሃይማኖታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ክውስኽን ዝብል ከም ዝርከቦ እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚዚ ወጥሪ ብዝተተሓሓዘ ኣብዚ ሳልስቲ ብሓልታት ጸጥታ ፈደራልን ክልል ኦሮሞን ኣስታት 500 ናይታ ቤተክርስትያን ጸለውቲ ባእታታት ተኣሲሮም ኣለዉ።

እዚ ወጥሪ ኣብታ ሃገር፡ ምስቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ተደሚሩ፡ ናብ ዝለዓለ ደም ምፍሳስን ምብትታንን ከየምርሕ ኣብ ብዙሓት ሻቕሎትን ስግኣትን ኣሕዲሩ ዝጸንሐ እዩ።

Last modified on Wednesday, 15 February 2023 22:14