ኣብይ ኣሕመድን ብሊንከንን ብስልኪ ተዘራሪቦም

2023-01-23 21:06:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 703 times

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብ22 ጥሪ 2023 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡ ካብ ቤት ጽሕፈቶም ዝተረኽበ ዜና ኣረዲኡ። ኣብቲ ዝርርቦም ብዛዕባቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተፈረመ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘርእዮ ዘሎ ኣውንታዊ ምዕባለን ኣብ መስርሕ ዘሎ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን ከም ዝጠቐሱ ተፈሊጡ።

እቶም ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ነቲ ምዕባለ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ ኣበርክቶ ጠቒሶም፡ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ትግራይ ኣትዩ  ምጽራይ ከካይድ ፈቓድ ንክረክብ ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣሜሪካ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ትግራይን ንክትሕግዝ ቅርብቲ ምዃና ነቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣረጋጊጸምሎም። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ከም ዝተዘራረቡ እውን እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣሚሪካዊ ነባር ዲፕሎማት ሄርማን ኮሀን፡ ብ22 ጥሪ 2023 ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፍዎ ርኢቶ፡ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንኢዶም። ኣተሓሒዞም ከኣ ኤርትራ ካብ ሕጂ ንድሕሪት ካብ ትግራይ ስግኣት ስለ ዘየብላ፡ ሃብቲ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምጥቃም ከተተኩር ይግበኣ ኢሎም።

Last modified on Monday, 23 January 2023 22:11