ዜናዊ ጸብጻብ: ፍሽለት መደባት ህግደፍ ኣብ ኖርወይ

2023-01-20 10:11:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 697 times

ኣብ ሃገረ ኖርወይ ከተማ ትሮንድሃይ፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ፡ ብስም ማሕበረሰብ  ኤርትራ (Den Eritreiske Forening I Midt Norge) ዝተዳለወ፡  ን14 ጥሪ 2023 ተሓሲቡ  ብምስጢር ክስረሓሉ ዝጸንሐ መደብ ወጋሕ ትበልለይቲ፡ ብተባዕ ሕጋዊ መስርሕ ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝፈሸለ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሉ ዝጸንሑ ምንጭታት ሓቢሮም።

ናይዚ ዝፈሸለ መደብ ዕላማ “ወጋሕ ትበል ነይቲ” ብዝብል ባህላዊ ጉልባብ፡ ገንዘብ ንምእካብን ጸረ ህዝብን ምልካውን ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ኣስሪጽካ፡ ህዝቢ ግዳይቲ ጉጅለ ንምግባርን እዩ ነይሩ። እቶም ኣዳለውቲ ነዚ ጸረ ህዝቢ መደባቶም ንምዕዋት፡ ብምስጢር ካብ ናይታ ከተማ ፖሊስን ምምሕድርን ፈቓድ ረኺቦም ነይሮም እዮም። በዚ ፈቓድ ተኣማሚኖም ድማ፡ እኽለማይ ኣዳልዮም፡ በጀት መሓሪ፡ ሁመድ እድሪስን ኣሚር ጠዓመን ዝተባህሉ ደረፍትን ተለሃይትን ካብ ሃገረ ሽወደን ገንዘብ ከፊሎም ኣምጺኦም ከም ዝነበሩ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ነዚ ኩነታት ክጸናጸኑ ዝጸንሑ ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ከተማ ትሮንድሃይ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓበሬታ ብምልውዋጥ ናይቲ ዝዳሎ ዝነበረ መደብ ሓደገኛነት ዝገልጽ ብኣማኢት ዝቑጸር ናይ ቴለፎን መልእኽትን መጠንቀቕታን ናብ ፖሊስ እታ ከተማ ኣመሓላሊፎም። እዚ መልእኽቲ ዝበጸሖ ፖሊስ ኣብቲ ተመዲብሉ ዝነበረ ዕለት 14 ጥሪ 2023 ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ፡ እቲ ብምስጢር ክዳሎ ዝጸንሐ መደብ ንክቋረጽ ወሲኑ። እዚ ናይ ፖሊስ ውሳነ ዝበጸሖም ኣዳለውቲ፡ ብዘይሙዚቃ ኣብቲ ኣቐዲሞም ዝተኻረይዎ ኣዳራሽ ኮይኖም፡ ነቲ ዘዳለዉዎ እኽለማይ ክምገብዎኳ እንተሓተቱ ብፖሊስ ተቐባልነት ስኢኖም ነናብ ዝመጽዎ ከም ዝተበተኑ ተፈሊጡ።

እቶም ኣዳለውቲ ነቲ ምድላው ምስ ህግደፍ ምትእስሳር ዘየብሉ ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ትምኒት መግለጺ ከምስልዎኳ ካብ ኣዳራሽ ወጻኢ ባነራት እንተዘርግሑ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ግና፡ ስእልታት ተዓለምቲ ሳዋ ሰቒሎም፡ “ተዋጊኡ ዝሰዓረ መጒቱ ዝረተዐ ዘይጸዓድ ህዝቢ” ዝብልን ካልእን ህግደፋዊ ጭረሖታት ለጢፎም ከም ዝነበሩ ተቓሊዑ።

ነዚ መደብ ዘፍሸሉ ብሓፈሻ ናይታ ከተማ ነበርቲ ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ መንእሰያት ድማ ላዕለዋይ ኢድ ከም ዝነበሮም ተሓቢሩ። ኣብዚ እቲ ዝነኣድን ከም ኣብነት ክውሰድ ዝግበኦን እቶም መንእሰያት መደባቶም ንምዕዋት ዝኸድዎ መስርሕ ሰላማውን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብን  ምንባሩ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ህግደፍ ነቲ ዘፍሸሎ ስርሒት ዝምዝምዘሉ ዕድል ኣይረኸበን።

Last modified on Friday, 20 January 2023 11:16