ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘህነጸቶ፡ ናይ ኣፍሪቃ ማእከል መቆጻጸሪ ሕማማት ተመሪቑ

2023-01-12 08:57:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 654 times

ስእሊ: ኣዲስ ስታንዳርድ

ኣብ ዑደት ዘለዉ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና፡ ኲን ጋንግን ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂን ብ11 ጥሪ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቻይና ዝተሃንጸ ማእከል ምቆጻጸሪ ሕማማት ኣፍሪቃ መሪቖም ከፊቶም። ቻይና ነቲ ማእከል ዝሃነጸቶ ኣብቲ ብ2018 ዝተኻየደ 7ይ  ርክብ ሚኒስተራት ኣፍሪቃን ቻይናን ንክትሕግዝ ብዝኣተወቶ ቃል እዩ። እቲ ናይ ቻይና ልግሲ ኣብቲ እዋን ብመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተናኢዱ እዩ።

እዚ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ኣዲስ ኣበባ ብ80 ሚሊዮን ዶላር 90 ሺሕ ትርብዒት ሜትሮ ኣብ ዝስፍሓቱ መሬት  ዝተሃንጸ ዘመናዊ  ማእከል መቆጻጸሪ ሕማማት፡ ክፍሊ ሓበሬታ፡ ማእክል ህጹጽ መጥባሕቲ፡  መመርመሪ፡  መዕቀቢ ንብረት፡ ኣብያተ-ጽሕፈት፡  መግለጺ ዝወሃበሉ ክፍልታትን መሰልጠኒ ቦታን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣድላዪ ዘመናዊ መሳርሒ ዝተገጠመሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ ሃንጻ፡ ሓደ ካብቲ ግቡእ መሳርሒ ዘለዎ ዘመናዊ፡ ማእከላት ተኸታታሊ መቆጻጸርን መከላኸልን  ሕማማት ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ ምስ ትካላት ህዝባዊ ሕክምና ኣባል ሃገራት  ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ከም ዝሰርሕ ተፈሊጡ’ሎ።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ቻይናን ክብጻሕ ዝጸንሐ ስምምዓት፡ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን  ሚኒስተር ንግዲ ቻይናን  ንኣተገባብራ ፕሮጀክት ናይዚ  ዝተመረቐ ህንጻ ዝምልከት፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 ስምምዓት ተኸቲሙ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።  

ኣብዚ እዋንዚ እቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመዘዙ ሓድሽ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ኣብ ምብጻሕ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም ዝርከቡ። እተን ዝበጽሕወን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡  በኒን፡ ጋቦን፡ ኣንጎላን ግብጽን ኮይነን፡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ርክብ ድማ ነብሱ ዝኸኣለ እዩ። ኣብ ግብጺ ምስ ቤት ጽሕፈት ዓረብ ሊግ ከም ዝራኸቡ ድማ ተፈሊጡ።

Last modified on Thursday, 12 January 2023 10:07