ኤርትራ፡ ኣብ 2022’ውን ጋዜጠኛታት ካብ ዝኣስራ ሃገራት ቅድሚት ተሰሪዓ’ላ

2023-01-02 19:54:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 678 times

ኣብ 2022 ኣብ ኣፍሪቃ 56 ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣስሩን ካብተን ቀዳሞት ብምእሳር ጋዜጠኛታት ዝፍለጣ  ሃገራት፣  ኤርትራን ግብጽን ብደረጃ ዓለም እውን ቅድሚት ከም ዝስራዓ፡ ኮሚተ ተሓላቒ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ 25 ታሕሳስ 2022  ብዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። በቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ መሰረት፡ ክልቲአን ሃገራት ብቕደም ሰዓብ  9ን 7ን ጋዜጠኛታት ኣሲረን።

ብደረጃ ዓለም ክረኣይ እንከሎ፡ ናይ 2022 ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ብዝለዓለ ወሲኹ ኣሎ። ብደረጃ ሃገራት ሳብ-ሳህራን፡ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝተኣስርሉ ዞባ ኮይኑ፡ ብመሰረት’ቲ  ጸብጻብ  ዓለምለኸዊ  ትካል ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጥኛታት፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን፡ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ፡ ከም ገሃስቲ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን  ኣሰርቲ ጋዜጠኛታትን ኮይነን ሰፊረን ኣለዋ።

እቲ ንናጽነት ፕረስ ዝጣበቕን ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕን ኣብ ከተማ ነውዮርክ ዝመደበሩ ትካል፡ ኣቐዲሙ ብ14 ታሕሳስ 2022 ኣብ  ዘውጸኦ ካልእ ጸብጻብ፡ በብኩርናዑ ዝተራእዩ ግርጭታት፡ ጭቆና ውሑዳትን ወጻዕቲ ምምሕዳራትን፡ ዓመተ-2022 ክሳብ ሕጂ ዘይተራእየ ብዝሒ 363 ጋዜጠኛታት ዝተኣስሩላን  እቲ ብዝሒ  ካብቲ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብ20 ሚእታዊት ክውስኽን ምኽንያት ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቲ ጸብጻብ ኣብ መወዳእታ ከም ዘስፈሮ፡ ብዝሒ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ክውስኽ እንከሎ፡ ኤርትራ ከኣ ከምቲ ዝጸንሓቶ ብደረጃ ሃገራት ሳብ-ሰሃራ ኮነ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እታ ንጋዜጣኛ ዝኸፈአት፡ ብደረጃ ዓለም 16 ጋዜጠኛታት ኣሲራ 9ይ ደረጃ ሒዛ፡ ዝኣሰረቶም ጋዜጥኛታት ካብ 17 ክሳብ 20 ዓመታት ንዝኣክል ግዜ ናብ ፍርዲ ዘየቕረበቶም፡ ምስ ቤተሰቦምን ጠበቓን ርክብ ዘየፍቀደትሎም ሃገር ኮይና ከም ዝቐጸለት፡ እቲ ዓለም ለኻላዊ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ምቅልዑ ኣብቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ተመልኪቱ።

Last modified on Monday, 02 January 2023 21:01