ሓድሽ ኮሚሽነር ክኢላታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ተሸይሞም

2022-12-22 19:03:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 748 times

ፕረሲደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣርጀንቲናዊ ኣንበሳደር ፈደሪኮ ቪለጋስ፡ ታንዛንያዊ ሞሓመድ ቻንደ ኦትማን ኣቦመንበር ናይቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ክከታተል ዝተመዘዘ ኮሚሽን ክኢላታት ንክመርሑ ከም ዝመዘዝዎም ቤት ጽሕፈቶም ብ21 ታሕሳስ 2022 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣንበሳደር ቻንደ ኦትማን ናብዚ ሓላፍነት ዝተመዘዙ፡ ድሕሪ እተን ነዚ ኮሚሽን ኣደ ወንበር ኮይነን ክመርሐኦ ዝጸንሓ ኬንያዊት ኮሚሽነር ካሪ በቲ ሙሩንጂ ካብ ሓላፍነት ምልቃቐን እዩ።  ኣንበሳደር ቪላጋስ፡ ኣብቲ ሓድሽ ኮሚሽነር ዝመዘዝሉ ነተን ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሓ ብድሌተን ዝለቐቓ ኮሚሽነር ኣመስጊኖም ሰናይ መጻኢ ተመንየሙለን።

እዞም ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ናይ ዝከታተል ኮሚሽን  ኣቦመንበር  ኮይኖም ተመዲቦም ዘለዉ ታንዛንያዊ፡ ቅድም፡ ናይ ሃገሮም ሓላፊ ፍትሒ ምንባሮምን ኣብ 2019-2020 ኣባል ናይቲ ኣሰራርሓ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዓለም ንክግምግም ዝተመደበ ናጻ ኣካል  ክኢላታት ኣባል ምንባሮም ከም ኣካል ተመኩሮኦም ተጠቒሱ።

ብዘይካዚ ዓቃብ ሕጊ ቤት ፍርዲ ገብነኛታት ዓለም ኣብ ጉዳይ ሩዋንዳ፡ ኣብ ካምቦዲያ ናይ ሕቡራት ሃገራት መደባት ልምዓት ናይ ሕጊ ኣማኻሪ፡ ኣብ ሊባኖስ ኣባል ላዕለዋይ ኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰል፡  ኣብ ሱዳን ድማ ናጻ ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ኮይኖም ከም ዝሰርሑ ኣብቲ ድሕረ-ባይተኦም ተጠቒሱ።

እዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክከታተል ዝተመዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ብ17 ታሕሳስ 2021 እዩ ጀሚሩ። ቀንዲ ሓላፍነቱ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ካብ 4 ሕዳር 2020 ንደሓር ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምጽራይ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 7 ጥቅምቲ 2022 ድማ ኣብዚ ሓላፍነቱ ንክቕጽል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተናዊሕሉ።

እዚ ካብ ቅድሙ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይረኸበን ናብ ትግራይ ኣትዩ ከጻሪ ዘይተፈቕደሉን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ካብ 27 ለካቲት ክሳብ 31 መጋቢት 2023 ኣብ ዝካየድ መበል 52 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል  ሕቡራት ሃገራት ጸብጻቡ ከቕርብ መደብ ተታሒዝሉ ከምዘሎ ኣብዚ መግለጺ ተሓቢሩ።

Last modified on Thursday, 22 December 2022 20:28