ዩኒሰፍ፡ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ ስረሓት ንምክያድ ሓገዝ ሓቲቱ

2022-12-20 10:06:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 561 times

ዩኒሰፍ ዝተባህለ ኣብ ጉዳይ ህጽናት ዝግደስ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዎ መደባት ንምዕዋት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓገዝ ሓቲቱ። ዩኒሰፍ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዘውጸኦ መግለጺኡ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ግጭት ንዝተሃስዩ ህጽናት ንዘጋጥሞም ናይ ዝስተ ማይ፡ ጽሬት፡ መግቢ፡ ትምህርትን ጥዕናን ጸገማት ንምክልኻል ኣተኲሩ ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ።

ዩኒሰፍ ኣብቲ ናይ ሓገዝ መጸዋዕታ መግለጺኡ፡ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ ኤርትራ፡ ንቁጠባዊ ጸገም፡ ምቅይያር ኣየርን ደርቅን፡ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ናይ  ድሕንነት ስግኣት፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝተፈጥረ ውግእ፡ ዘሕደሮ ጸገማትን እገዳን እትግለጽ ሃገር ኮይና ከምዘላ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከባብያዊ ዘይምዕሩይነት እውን ነብሱ ዝኸኣለ ጸገም ኮይኑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብምኽንያት እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ጸገማት፡ ኣብዚ እዋንዚ 745,600 ህጽናት ዝርከብዎም 1.1 ሚልዮን ኤርትራውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝጽበዩ ዩኒሰፍ ጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ እዚ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፡ ኣብ ኤርትራ ስሩዕ መደባት ልምዓት ሓንጺጹ፡ ሰብኣዊ ሓደጋታት ኣብ ምምሕዳርን ምግጣምን መማረጺ ኮይኑ ክሰርሕ ድልዊ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ መጸዋዕታኡ ዩኒሰፍ፡ ኣብ 2023 ኣብ ኤርትራ፡ ህጹጽ ህይወት ናይ ምድሓን ኣገልግሎት ንምቕራብ፡ ኣስጋኢ ሓደጋታት ንምክልኻል፡ እኹልን ብቑዕን ዝስተማይ ንምቕራብን ኣብ ጽሬት ትምህርቲ ንምሕጋዝን 14.7 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮ ኣፍሊጡ።

Last modified on Tuesday, 20 December 2022 15:04