ኤርትራ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝሃበቶ ብዘይቀረጽ ሰደድ ተገሊላ

2022-12-12 20:17:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 615 times

ቻይና ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 16 ናብኣ ብዘይቀረጽ ፍርያተን ከእትዋ ዝፈቐደትለን ሃገራት ምዃናኳ ጠቒሳ እንተነበረት፡ ድሒራ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ግና ቁጽሪ ናይተን ሃገራት ናብ 9 ከም ዝወረደን ኤርትራ ካብቲ ሓድሽ ዝርዝር ከብ ዝተገለላ ሓንቲ ምዃናን ካብ ሬድዮ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ኣረዲኡ። ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ መወዳእታ እቲ ዕድል ካብ ዝተዋህበን ሃገራት ከም ዝተገለለት ዝተዋህበ ዝርዝር የለን።

ብዘይካዚ ኢትዮጵዮ እውን፡ እቲ ኣብቲ ናይ ቅድም መግለጺ እቲ ዕድል ካብ ዝተዋህበን ሓንቲ ነይራ ከተብቅዕ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ብግብሪ ተጠቃሚት ክትከውን ኣይከኣለት። ኢትዮጵያ ናይዚ ዕድል ተጠቃሚት ዘይኮነትሉ ምኽንያት ኣቐዲማ ከተቕርቦ ዝግበኣ ዝነበረ ሰነዳት ከተቕርብ ብዘይምኽኣላ ምዃኑ ዝተፈላለያ ናይ ኢትዮጵያ መዲያታት ሓቢረን።

ጅቡትን ሱዳንን ኣብቲ ናይ 16 ሃገራት ዝርዝር ተጠቒሰንኳ እንተነበራ ናይቲ ካብ ባሕቲ ታሕሳስ 2022 ጀሚሩ ዘሎ ዕድል ተጠቀምቲ ክኾና ኣይከኣላን። በዚ መሰረት ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዋላ ሓንቲ ሃገር ናይቲ ዕድል ተጠቃሚት ክትከውን ከምዘይከኣለት ካብቲ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ናይቲ ቻይና ዝሃበቶ ካብ ቀረጽ ናጻ ሰደድ ዕድል ተጠቀምቲ ኮይነን ዘለዋ ሃገራት፡ ካብ ኣህጉር  ኤስያ ኣፍጋኒስታን ካብ ኣፍሪቃ ድማ፡ በኒን፡ ቡርኪናፋሶ፡ ሌሴቶ፡ ማላዊ፡ ሳኦ ቶመ ፕሪንሲፕ፡ ታንዛንያ፡ ኡጋንዳን ዛምብያን ምዃነን እቲ ዜና ሓቢሩ። እዘን ካብ ቅድም ቻይና ቆላሕታ ዝገበረትለን ሃገራት ምስተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ድኽነት ዝርከባ  ዝምደባ ኮይነን፡ ኣዝዩ ዝወሓደ ናይ ሰደድ ዓቕሚ ዘለወን ምዃነን ኣብቲ ዜና ሰፊሩ። ቻይና እቲ ብዘይቀረጽ ናብ ሃገራ ክኣቱ ዝፈቐደቶ ዓይነት ፍርያት፡ ኣስታት 8,786 ዝበጽሕ ኮይኑ ብኣስማት ዝተዋህበ ዝርዝር መግለጺ ግና የለን።

ብመሰረት ነዚ ዝምልከት ጸብጻባት፡ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነዳድን ማዕድናትን ዝርከቦ ብድምር ናብ ቻይና ዝልእከኦ ፍርያት ዓመታዊ ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኮይኑ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ  እትገብሮ ንግድን ወፍሪን ግና ልዕሊ 250 ቢልዮን ዶላር ዝግመት እዩ።

Last modified on Monday, 12 December 2022 21:20