ተቓውሞ መማህራን ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን

2022-11-29 10:24:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 567 times

ኣብ ኢትዮጵያ መማህራን ዩኒቨርስትን ተክኒካዊ ሓገዝቶምን ን5 ታሕሳስ 2022 ስራሕ ጠጠው ከብሉ መዲቦም ከም ዘለዉ፡ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብዝለኣኽዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም። መማህራን ሱዳን ድማ ብ28 ሕዳር 2022 ናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ከም ዘካየዱ ዳባንጋ ዝተሃብለት ናይ ብሕቲ ሬድዮ ኣፍሊጣ።

እዞም 40 ሺሕ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን መማህራን ዩኒቨርስትን ተክኒካል ተሓጋገዝቶምን ናብዚ ውሳነ ዝበጽሒ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ጀሚሩ ክፍተሓሎም ናብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣካላት ናይታ ሃገር ዘቕረብዎ ጠለባት ስለ ዘይተመለሰሎም እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ንመማህራን ዩኒቨርስቲ ጥራይ ተባሂሉ ዝወሃብ መፍትሒ የለን፡ ዝብል መልሲ ምስ ሃቡ  ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል  ዕለት ከውስኑ ከም ዝተገደዱ ተፈሊጡ።

በቶም መማህራን ክምለሰሎም ዝቐረበ ጠለባት ወሰኽ ደሞዝ፡ ናይ ገዛ ክራይ ኣበል፡ ቀጻሊ ናይ ደረጃ ዕቤትን ንምርምር ዝኽፈል ገንዘብን ዝብሉ ይርከብዎም። በመሰረት መግለጺ ናይቶም መማህራን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባና ንመማህራን ዩኒቨርሲቲ እቲ ዝተሓተ ደሞዝ እትኸፍል ሃገር እያ።

ናይ ሱዳን መማህራን ብወገኖም ብ28 ሕዳር 2022 ናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ከም ዘካየዱን በዚ ኣድማ ልዕሊ 20 ሺሕ ኣብያተ ትምህቲ ተዓጽየን ከም ዝወዓላን ሬድዮ ዳባንጋ ኣፍሊጣ። መማህራን ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ዘቐረብዎ፡ ወሰኽ ደሞዝን ካልእ ገንዘባዊ ክፍሊትን ዘጠቓልል ሸሞንተ ነጥብታት ዝሓዘ ጠለብ ስለ ዘይተመለሰሎም ናብዚ ተቓውሞ ከም ዝበጽሑ  ተፈሊጡ። ነዚ ጠለቦም ብ16 ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣካላት መንግስቲ ሱዳን ኣቕሪበምዎ ከም ዝነበሩ እውን ተፈሊጡ።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዩኒቨርስቲ  መማህራን፡ ተመሃሮን ወለዲ ተመሃሮን ኣብ ጐኖም ተሰሊፎም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተጽዕኖ ክገብሩ ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ከኣ እቶም ተመሃሮ ትምህርቶም ምክትታል ከየቋርጹን ካብ ዝኾነ ሕጋዊ ዘይኮነ ተግባራት ክቑጠቡን ኣተሓሳሲቦም።

Last modified on Tuesday, 29 November 2022 11:42