መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ስሩዕ በረራ ክጅምር’ዩ

2022-11-24 10:24:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 586 times

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ስሩዕ በረራ ንምጅማር ምድላዋቱ ከም ዘጻፈፈ ናይቲ መንገዲ ኣየር ዋና ፈጻሚ ኣቶ መስፍን ጣሰው ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም። እቶም ዋና ኣፈጻሚ ከም ዝጠቐስዎ ናይቲ መንገዲ ኣየር ናብ ትግራይ ስሩዕ በረራ ምጅማር፡ ረዲአት ቀልጢፉ ክበጽሕ ወሳኒ ብጽሒት ከም ዝህልዎ ጠቒሶም። ቅድሚ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ምጅማሩን ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ትግራይ ብዙሕ ዕለታዊ ብረራታት ከም ዝነበረ እቶም ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ናይቲ መንገዲ ኣየር ኣዘኻኺሮም።

ንስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተኸቲሉ ዝካየድ  ምጅማር በረራ ናብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ንጥፈታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ዘይመንግስታዊ ናይ ረዲአት ትካላት እውን ዝለዓለ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለን ሽረን ኣገልግሎት ክህቡ ኣብ ዝኽእልሉ ደረጃ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ናይ ኣኽሱም ግና በቲ ውግእ ስለ ዝተጐድአ ጌና ጽገና ከም ዘድልዮ እቶም ዋና ኣፈጻሚ ኣብቲ  ሓበሬታኦም ተቒሶም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ በቲ ክሳብ ሕጂ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ከም ዝተተባብዑ ገሊጸምሎም። ኣብ’ቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማማት ብፍላይ ድማ ኣብ ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ረዲአትን ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ቀልጢፉ ንክስራሕ፡ ከም ዘተሓሳሰብዎም ካብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Last modified on Thursday, 24 November 2022 11:31