ኤርትራውያ ስደተኛታት ናብ ኣለምዋጭን በርሓለን

2022-11-10 22:44:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 746 times

ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ተበታቲኖም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብቲ ኣብ ከባቢ ዳባት ጐንደር ዝርከብ ኣለምዋጭን ኣብ ዓፋር ናብ ዘሎ በርሓለን መደበራት ይተኣካኸቡ ከምዘለዉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ከይተዓጽወ ዝጸንሐ ኣብ ከባቢቲ ጽዕጹዕ ውግኣት ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽን ማይዓይንን ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ዝተኸፍተ ሓድሽ መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ይውሰዱ ኣለዉ። እዚ ላዕለዋይ ኮሚሽ  ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ናይ ኢትዮጵያ ትካል ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ብሓባር ዝካየድ ዘሎ ስርሒት፡ ብመደበር ዓዲ ሓርሽ ከም ዝጀመረን ናብ ማይ ዓይኒ ከም ዝቕጽልን ተፈሊጡ ኣሎ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ክሳብ ሕጂ ካብ ዓዲ ሓርሽ 6 ሺሕ ዝኾኑ ናብቲ ሓድሽ መደበር ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብቲ ውግእ ዝጀመረሉ ግዜ ኣብ ክልቲኡ መደበራት ክሳብ 100 ሺሕ ስደተኛታት ክነብሩ እንከለዉ፡ እንተኾነ ብዝተፈላለዩ እቲ ውግእ ዘስዓቦም ምኽንያታት ዝበዝሑ ተበቲኖም ውሑዳት እዮም ተሪፎም። ኣብዚ እዋንዚ ናብ ኣለምዋጭ ዝሰጋገሩ ዘለዉ ከኣ መብዛሕቶም ብሕማምን ብዝተፈላለዩ ጸገማትን ካብቲ መደበራት ክወጹ ዘይከኣሉ እዮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ከም ዝተገልጸ መደበር ኣለምዋጭ ብኹሉ መለክዒ ንስደተኛታት ዘይጥዕም ቦታ ምዃኑ በቶም ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክግለጽ ዝጸንሐ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብሰንክቲ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልል ዓፋር ዝተለሓመ ውግእ፡ ካብቲ ነባር መደበር በርሓለ ተበታቲኖም፡ ገሊኦም ናብ ሰመራ፡ ገሊኦም ድማ ናብ ሰርዶን ኣፍዴራን ተበቲኖም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መደበር በርሓለ ክምለሱ ጀሚሮም ኣለዉ። ቅድሚ እቲ ውግእ ኣብ በርሓለ ልዕሊ 34 ሺሕ ስደተኛታት ክነብሩ እንከለዉ፡  ናይቲ ከባቢ ጸጥታ ስለ ዝተመሓየሸ ዝምለሱ ዘለዉ ግና ከባቢ 26 ሺሕ ምዃኖም ተፈሊጡ። እዚ መደብ እዚ እውን ብምትሕብባር፡ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ናይ ኢትዮጵያ ትካል ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝዕመም ዘሎ መደብ እዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደስ እንግሊዛዊ ጋዜጠኛን ተመራማርን ማርቲን ፕላውት፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ናይ ዝተረስዑ 100 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጻኢ ዕድል” ብዝብል ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ሎሚ ካብቶም 100 ሺሕ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ቅድሚ ሓደ ዓመት  ብዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት፡ 10 ሺሕ ጥራይ ከም ዝተረፉ ይጠቅስ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ 14, 603 ከም ዝበጽሕ እውን እቲ ተመራማሪ በቲ ጽሑፉ ሓቢሩ።