ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ውግእን ህውከትንን ጠጠው ከብሉ ተሰማሚዖም
2022-11-03 07:30:18 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1080 timesእቲ ብ25 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ 30 ጥቅምቲ 2022 ክዛዘም ተመዲኡ ዝነበረ ዘተ ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ተናዊሑ ብ2 ሕዳር 2022 ተዛዚሙ። ኣብ መወድእታዚ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመዲቡ ብፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ኣቦሳንጆ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያን ናይ ቅድም ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃን እናተመርሓ ተዓዘብቲ ኣብ ዘለዉሉ፡ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ክዛዘም እንከሎ ክልቲኦም ወገናት ነፍሲ ወከፉ ነናቱ ዝርዝር ዘለዎ15 ዓንቀጻትን 12 ቀንዲ ነጥብታት ዝሓዘ ናይ ስምምዕ ሰነድ ከቲኦም።
እቲ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን፡ ብወገንገ ሕወሐት ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦቦሳንጁ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታን ናይ ቅድም ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ምክትል ፕረሲደንት ፉሙዚለ ምላንቦ ንኩካን ዝኸተምሉ ሰነድ፡ “ ውግን ህውከትን ጠጠው ምባል፡ ሕገመንግስታዊ ክኽበር፡ ክጸንዕን ናብ ንቡር ክምለስን፡ ረዲኤት ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ብዘይገደብ ክቕጽል፡ ኣብ ትግራይ በዂሩ ዝጸንሐ ኩሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለስ፡ ኣብ ትግራይ ኩነታት ጸጥታ እናተመዝነ ብመስርሕ፡ ዕጥቂ ምፍታሕ፡ ምጥያስን ብሰንኪ ውግእ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ምርኻብን” ዝብሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ይርከብዎም።
ኣብቲ ስነስርዓት ምኽታም ሰነድ፡ ኦቦሳንጆን ካለኦት ብቐጥታ ኣብቲ መስርሕ ክሳተፉ ዝጸንሑን ብዛዕባቲ ዝተሓልፈ መስርሕ ዘተን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ክግበር ዝግበኦ ጻዕርን ቃል ኣስሚዖም። ኣቶ ሬድዋን ሑሴንን ኣቶ ጌታቸውን ረዳን ድማ ነቶም ኣብ ስምምዕ ከብጽሕዎ ዝጸዓቱ ወገናት ኣመስጊኖም፡ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓልን ኣብ መጻኢ ዳግመ-ህንጻን ዝምልከቶም ኣካላት ከበርክቱ ጸዊዖም።
እዚ ስምምዕ ምስ ተኣወጀ ብዙሓት ወገናት ካልእ ኩሉ ተሪፉ ህይወት ናይቲ ብኹሉ ወገናት ክቕዘፍ ዝጸንሐ መንእሰይ ስለ ዘድሕን ደገፎም ገሊጾም። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እውን እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ድሕሪ 17 መዓልታት ብ21 ሕዳር 2020 ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡
“1. ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ:” ዝበሎ :
2. “ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ መንግስታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን፡ ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና፣ ብፍላይ ድማ፡ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ’ዚ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ ምሕጽንታኡ የቕርብ።” ዝበሎ ኣብ ግብሪ ብምውዓሉ ዘለዎ ደገፍ ይገልጽ።