ቤተመዘክር ኣሜሪካ፡ ብሓደጋ ጽንተት ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓደሮ ሻቕለት ገሊጹ

2022-10-31 09:22:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 630 times

ቤተ-መዘክር ሆሎኮስት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ጽንተት ደቂ ሰባት ዝሓደሮ ሻቕሎት ብ25 ጥቅምቲ 2022 ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ናይቲ ቤተ-መዘክር መግለጺ፡ እቲ ኩነታት ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ብናይ ኤርትራ ሰራዊት እንናተሓገዙ ኣብ ትግራይ ኣገደስቲ ከተማታት ምስ ሓዙን ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ዘየብሎም ሲቪል ሰባት ጉድኣት  ምውራዶምን ዝያዳ ዘሰንብድ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ቅድሚ ዓመት ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ዝነበረ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡  ምልክታት ጽንተት ደቂ ሰባት፡ ናብ ጽልኢ ዘምርሕ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝቃላሕ ዝነበረ መደረታት፡  ብጃምላ ምእሳርን ኣብ ትግራይ ሰብ ብዝሰርሖ ጥሜት ንህዝቢ ምቕጻዕን እቲ ቤተመዘክር ከሰምዕን ከጠንቅቕን ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ዝረአ ዘሎ ናይዞም ኣቐዲሞም ዝተራእዩ ሓደጋታት ዝያዳ ምስፋሕን ምዕባይን ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ካብተን ብዓለም ደረጃ፡  ሰባት ብጃምላ ብምቕታል ሓደገኛታት ዝበሃላ ዓሰርተ ሓገራት ሓንቲ ኮይና ኣላ ኢሉ።

ናይቲ ቤተ-መዘክር ዳይረክተር ንናኦሚ ኪኮተር፡ ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብዚ ዝምልከቶም መራሕቲ ግቡእ ኣቓብልቦ ዘይሃብሉ ግዜ፡ ናብ ፍርቂ ሚልዮን ዝጽግዑ ሰባት ኮነ ኢልካ ብምቕታልን ብጥሜትን ሞይቶም ተባሂሉ ከም ዝግመት ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጾታዊ ዓመጽን ተመሳሳሊ ግህሰት መሰረታዊ መሰላትን ከም ዝተፈጸመ ምጥቃሶምን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ውግእ ብ2020 ካብ ዝጅምር ብኹሎም ወገናት፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ውግእን ምፍጻሙ ብምጥቃስ፡ ዝርዝር እቲ ገበን ቅትለት፡ ዓመጽን ጾታዊ ጥሕሰትን ካለኦት ዘይሰብኣዊ ተግባራትን ከም ዘጠቓልል እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስፊሩ።

ብዘይካዚ እዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ኩሎም ወገናት ንሲቪል ዒላማ ምግባር ከቋርጹን ነቲ ቀጻሊ ዘሎ ውግእ ሰላማዊ ፍታሕ ክረኽቡን ኣተሓሳሲቡ። ኩሉ ዝውሰድ ስጉምታት ህውከት ዝንክን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ዘውርዱ ተጽዕኖ ዝፈጥርን ክኸውን ይግበኦ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ማሕበራዊ መዲያታት  ንዓመጽ ዘለዓዕልን ሕብረተሰብ ዘነኣእስን መደባት ካብ ምቕላሕ ክቑጠቡ ጸዊዑ።

ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ፡ ከምዚ ዓይነት ናይቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝመሓደር  ቤተ-መዘክር መግለጺ ምውሳኡ ዘሰንበዶም ኤምባሲታት ኤርትራን ኢትዮጵያን በብወገኖም ንነቲ መግለጺ ዝጻረር መልእኽታት ኣውጺኦም ኣለዉ።

 

Last modified on Monday, 31 October 2022 10:25