ኣሚሪካ ንኢትዮጵያውያን ናይ መንበርን ስራሕን ውሕስነት ሂባ
2022-10-22 09:03:01 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1131 timesጸሓፊ ዘቤታዊ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣለጃንድሮ ማዮርካስ፡ “ኢትዮጵያውያን ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ምንባርን ምስራሕን ፈቓድ ክረኽቡ እዮም” ከም ዝበሉ ኤኤፍፒ ሓቢራ። ድምጺ ኣሜሪካ ብወገና እዚ ንኢትዮጵያውያን ተዋሂቡ ዘሎ ካብ 20 ጥቅምቲ 2022 ዝጅምር ናይ መንበርን ስራሕን ፈቓድ 18 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ከም ዝኾነን ከም ኣድላይነቱ ከም ዝመሓየሽን ጠቒሳ።
እዚ መሰል ንኢትዮጵያውያን ክወሃብ ዝተወሰነ፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግርጭታትን ህውከትን እናገደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ ምዃኑ እዚ ኣሜሪካዊ ዘቤታዊ ትካል ጸጥታ ኣፍሊጡ። እዚ ግዝያዊ ፈቓድ ዝወሃብ ዘሎ ናይ ኣሚሪካ ኢሚግረሽን ብ1990 ሃገራት ብውግእ፡ ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ካልእ ፍሉይ ኩነታትን ኣብ ወጥሪ ክኣትዋ እንከለዋ ንዜጋታተን መፍትሒ ክኸውን ብዝወሰኖ መሰረት ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
እቶም ጸሓፊ ዘቤታዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኣብዚ መግለጺኦም፡ ኣብዚ እዋንዚ ዜጋታት ናብታ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣፍሪቃ ካለኣይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ክምለሱ ውሑስ ኣይኮነን ኢሎም። ዝርዝር ምኽንያት ከቕርቡ እንከለዉ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ግርጭታትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ይገድድ ኣሎ ኢሎም፡ ብሰንክዚ ሲቪል ሰባት ብዓሌታዊ መንነቶም ኣብ ሓደጋ ሞት፡ ዓመጽን ማእሰርትን ይወድቁ ምህላዎም ኣቃሊዖም። ሕጽረት መግብን ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን እውን ንኩነታት ኢትዮጵያ የጋድድዎ ምህላዎም ኣብቲ መገልጺኦም ኣስፊሮም።
ኣብዚ እዋንዚ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ጠጠው ክብል፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ክቕጽልን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ከውጽእን ብተደጋጋሚ ይጽውዑ ኣለዉ።