ፈስቲቫል ህግደፍ ሽወደን፡ ኣብ ህዝባዊ ፓርክ ዝነበሮ መደብ ተሰሪዙ

2022-07-28 20:16:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 904 times

PFDJ Festival 1እቲ ኣብ ሃገር ሽወደን፡  ካብ ከተማ ስቶክሀልም ንወገን  ሴሜን ጃርቫ ኣብ ዝበሃል ህዝባዊ መናፈሲ/ፓርክ  ክካየድ ተመዲቢ ዝነበረ ፈስቲቫል ህግደፍ ስካንድንቪያን፡  ሓያል ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ/Eritrea Hub ሓቢራ። ኣብዚ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ፈስቲቫል፡ ኣወል ስዒድ ዝተባህለ ኣንጻር ህዝቢ ዘለዓዕል ዕሉል መሳርሒ ህግደፍን  ኣማኻሪ ፖለቲካ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወቂ የማነ ገብረኣብን ኣብቲ ኣጋጣሚ  ዝሳተፉ ዕዱማት ምዃኖም እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ብግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ ህዝባዊ መእከቢ ኣዳራሽ ተኻርዩ ፈስቲቫል ከካይድ ክፍቀደሉ ሕጉሳት ከም ዘይነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ ዜና፡ ብትሕሓዝ ህግደፍ ኣብ ሽወደን ከምዚ ዓይነት መደብ ፈስቲቫል ዘውጽእ ዘሎ፡ ንጋዜጠኛ ኤርትራዊ ሽዊደናዊ ዳዊት ይስቕ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሰቐየ እንከሎ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ኣብዚ ተቓውሞ “ብሩህ መጻኢ” ዝተባህለ ኤርትራዊ ጉጅለ መሪሕ ግደ ከም ዝነበሮ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ናይ ብዙሓት ተቓውሞ ዝዓደመ ናይ ፈስቲቫል ህግደፍ  ዛዕባ፡ ኣሳ ኒልሰን ዝተባህለት ኣብቲ ኣዳራሽ ዝርከበሉ ከባቢ ፖለቲከኛን ሕጽይቲ ከንቲባ ስቶክሀልምን ኣብቲ ጉዳይ ካብ ዝተገደሱ ሓንቲ ነይራ። በዚ መሰረት፡ ብዛዕባቲ ንህግደፍ ክካረ ተሓሲቡ ዝነበረ ህዝባዎ ኣዳራሽ ኣብ ዝጸሓፈቶ ሓያል ተቓውሞ “ናይ ሎሚ ዘበን ፈስቲቫል ንሰርዞ፡ ንዓመታ ኣብቲ ቦታ ናይ ዲሞክራስያዊ ፈስቲቫል ከነካይድ ኢና”  ከም ዝበለት ተፈፈሊጡ።

ጉጅለ ብሩህ መጻኢ ብወገኑ፡ ናብ ምምሕዳር ናይቲ ህዝባዊ መናፈስሲ/ፓርክ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ናይ ምጽሓፍ፡ ምስ ጠበቓታትን ናይቲ ከባቢ ሚድያታትን ምምኻርን ብኢመይልን ካልእ ኣገባብን ኣንጻርቲ ፈስቲቫል ሰፊሕ ወፈራ ምክያድን ዝኣመሰሉ ናይ ተቓውሞ ስጉምታት ወሲዱ። ኣብ መወዳእታ ከም ውጽኢት ናይዚ ኩሉ ተቓውሞታት ናይቲ መናፈሲ/ፓርክ ምምሕዳር  ናይ መእከቢ ኣዳራሹ ንፈስቲቫል ህግደፍ ከካሪ ዝነበሮ መደብ ሰሪዙ፡ ተሳተፍቲ’ቲ ፈስቲቫል ናይ ማይ፡ ዓይኒ ምድሪን ሓይሊ መብራህትን ኣገልግሎት ንከይረኽቡ ከም ዝወሰነ ተሓቢሩ።

Last modified on Thursday, 28 July 2022 22:25