መግለጺ ኣኼባ፡ ምምሕዳር ቤ/ ጽ ወጻኢ ጉዳያት ሰዲህኤ

2022-07-17 16:14:10 Written by  ምምሕዳር ቤ/ ጽ ወጻኢ ጉዳያት Published in EPDP News Read 1087 times

ዓመታዊ ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣባላት’ቲ ምምሓድር ኣብ ዝተረኽቡሉ  ብ16 ሓምለ 2022  ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ    ብመሰረት ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብጻይ ብርሃነ ደበሱ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ስራሕ ናይ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ተመያይጡ፤ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገርና፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ኣገደስቲ ኣህጉራዊ ምዕባለታትን ኣመልኪቱ  ብዕምቆት ዘትዩ።

ኣኼባ ብዝቐረበሉ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብቲ ንምምስራት ሃገራዊ ጽላል ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ክክየድ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይሕለል ጻዕርታት ንተራ ሰዲህኤ ኣብቲ መስርሕ  ኣሞጊሱ። ነቲ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓባር ኮይኖም ምስ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝተፈራረሙዎ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ። ዋሕስ ዓወትና፡ ሓድነትና ስለዝኾነ፡ ሰልፍና ምስ ኩሎም ጸረ-ምልኪ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ጽኑዕ መርገጺ ንምትግባር ንጥፈታቱ ብልዑል ናህሪ ክቕጽሎ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ።  

ተሳተፍቲ  ኣኼባ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ንዘለዎ ዝምድናታት ብምሕያል፡ ካልእ ሓደስቲ ዝምድናታት ኣብ ምፍጣር  ብዘርኣዮ ሰፊሕ ምንቅስቓስን ዝጨበጦም ዓወታትን  ዝተሰምዖም ዕግበት ብምግላጽ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ምስ ዓለምለኻዊ ምሕዝነት ገስገስቲ ንዓመታት ሒዙዎ ዝጸንሐ ዝምድና ብዝሓየለ ደረጃ  ዓቂቡ ይኸይድ ምህላዉ ከምዘሐጎሶም ኣባላት ኣኼባ ኣብ ዘካየዱዎ ዝርርብ ኣረጋጊጾም። 

ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት፡ ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ሰፊሕን ዓሚቕን ምይይጥ ኣካይዱ። ከም ዝፍለጥ ሰዲህኤ ብፍላይ ንጉዳይ ትግራይ ኣመልኪቱ፡ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፍልልይ ፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ስለዝኾነ፡ ኣብ እዋኑ ብዘተ ጥራይ ክፍታሕ እምበር ናብ ኲናት ከምርሕ ከምዘይግባእ ኣተሓሳሲቡ ከምዝነበረ ዘኪሩ። እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ድማ ብቕልጡፍ ጠጠው ንኽብልን ንህዝቢ ትግራይ ዝዋሃብ ኣገልግሎታት ንኸይቋረጽን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝከኣሎ ጻዕሪ ክገብር ጻውዒቱ ኣቕሪቡ እዩ። ንሓው ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ብዝወረዶ  ዕንወትን ሓደጋን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ እዩ።

 ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታዉ ካብ ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ናይቲ ስርዓት ዝብገስ እምምበር፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ፡ ሰዲህኤ ኣረጋጊጹ፡ ነቲ ወራር ብምኹናን  ህግደፍ ሰራዊቱ ቀልጢፉ ካብ ትግራይ ከውጽእን ህዝቢ ኤርትራ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ከሕይልን  ኣብ እዋኑ ጸዊዑ እዩ። እንተኾነ  ህግደፍ ሎሚውን ናይ ውግእ ነጋሪት ይሃርም ምህላዉ ኣኼባ ተገንዚቡ፡ ነዚ ናይ ህግደፍ  ኲናት መርገጺ ደጊሙ ብምኹናን እቲ ጉዳይ ትግራይ ብሰላም ንምፍታሕ ተጀሚሩ ዘሎ ጻዕሪ ዕዉት ንኽኸውን ኣኼባ ትጽቢቱ  ገሊጹ። ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ ገበን ብሻራ ዘይብሉ ወገን ተጻርዩ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡ ንምግባር ንዝካየድ ጻዕሪ ድማ፡ ብኣጽንዖት ደጊፉ።

ምስዚ ተዛሚዱ ኣኼባ  እቲ ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝርኤ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንሕቶ ህዝቢ ሱዳን ብዝምልስ ሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ልባዊ ትምኒቱ ይገልጽ። ከምኡውን እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝደገፎ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ደው ክብልን፡ ንሉዑላውነትን ነጻነትን ዩክረይን ብዘረጋግጽ መንገዲ ክዛዘምን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ኣኼባ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ንሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስ ዝምልከት ብዕቱብ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ጻውዒቱ እናኣቕረበ፡ ሰልፍና ምስ ኩሎም ደለይቲ ስላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝገብሮ ዘሎ ዝምድናታት ኣሐይሉ ክቕጽሎ ብምትሕስሳብ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ  ዘለዎም ድሉውነት ደጊሞም ብምርግጋጽ ዓመታዊ ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰዲህኤ ተደምዲሙ።

Last modified on Sunday, 17 July 2022 18:22