ዘሰንብድ ድንገተኛ ሞት፡ ኤርትራውያን መንእሰያት

2022-07-15 07:37:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 950 times

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት በረኸት ሰለሙን ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ መንእሰይ፡ ኣብ ብሪጣንያ ካብ ከተማ ለንደን ንወገን ሰሜን ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ፡ ስቲቨነጅ ዝተባህለት ቦታ  ብኢድ ሰብ ሞይቱ ተደርብዩ ከም ዝተረኽበ ናይታ ሃገር ፖሊስ ኣፍሊጡ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ሃገር ጀርመን ዛህራን ዩስራን ዝተባህላ ኤርትራውያን መሓዙት መንእሰያት  ኣብ ከተማ ሙኒካ ብዝነብር ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ዝተቐትላ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዘደንጹ መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ፈረንሳ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሕድሕዶም ተባኢሶም ሓደ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ሓደ ኣገራብ ዝበዝሖ ቦታ ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ በረኸት ሰለሙን፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ምዃኑ ፖሊስ እዩ ሓቢሩ። እዚ ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰለሙን፡ ትሕቲ ዕድመ  ኮይኑ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወን ዑቕባ ዝተዋህበን ምንባሩ ፖሊስ ጠቒሱ፡ ከምዚ ዓይነት ገበን ከይድገምን ውሕስነት ጸጥታ ክረጋገጽን ጐስጓስ ከም ዘድሊ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።

ንጠንቂ ሞት እተን መንእሰያት መሓዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝምልከት፡ ፖሊስ ጀርመን ከም ዝገለጾ፡ እቲ በቲ ቕትለት ተጠርጢሩ ተታሒዙ ዘሎ ሰብ ንሓዲአን ንመርዓ ሓቲቱ ከም ዝነበረ እሞ ከም ዝኣበየቶ፡ በዚ ምስሕሓብ ምስተፈጥረ ከኣ ናብተን ግዳያት ከይከይድ ብፖሊስ መጠንቀቕታ ተዋሁብዎ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።

በዚ ዝደጋገም ዘሎ ድንገተኛ ሞት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወጻኢ ዝሰንበዱ ኤርትራውያን ወገናት፡ ብውልቂ ይኹን ብማሕበራት ኣብ ስደት ዘለዉ መንእሰያት ንክረጋግኡ ዘኻል ናይ ምኽርን ምትህድዳእን ሓገዝ ክግበረሎም ይጽውዑ ኣለዉ። ንሓናውን መንእሰያት ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ፡ ሰባት ምቕታል ወይ ከኣ ነብስኻ ምጥፋእ ጸገም ዝፈትሕ ዘይኮነስ፡ ተወሳኺ ጸገም ዘኽትል ምዃኑ ተረዲኦም ብህድኣት ክሓብሉ ነዘኻኽር።

Last modified on Friday, 15 July 2022 09:40