ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ

2022-06-13 07:25:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 817 times

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ ብ12 ሰነ 2022 ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ተረኺቡ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።  ኣቦመንበር ዞባ ኤውሮጳ ብጻይ ሃይለ ወልዱ ብወገኑ ንተሳተፍቲ ኣኼባ “እንኳን ደሓን መጻእኩም” ኢሉ መእተዊ ቃል ኣስሚዑ።   ኣብቲ ዘስመዖ ቃል ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ብዛዕባ ሰልፎም ንምሕያል ከካይድዎ ዝጸንሑ ቃልሲ ዘመስግን ሓጺር መብርሂ ሂቡ።

ኣቦመንበር ተስፋይ ብኣቦመንበር ዞባ ኤውሮጳ ተዓዲሙ መድረኽ ምስተረከበ፡ ብዛዕባ ሰልፋዊ ምዕባለታት፡ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን፡ ምዕባለታት ከባቢናን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ብጻይ ተስፋይ ድሕሪ ተላባዒ ቫይረስ ኮቪድ-19 ምግጣሙ፡ ብኣካል ምርኻብኳ ዘይከኣል እንተ ነበረ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ግና ነቲ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዮም ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣቢሎም ርክባቶም ብቕጻል ሰልፎም ካብ ምሕያል ከምዘይበኾሩ ብዝርዝር ኣብሪሁ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኩነታት ይቕየር ስለ ዝሎ ብሰንክቲ ለበዳ ቫይረስ ተወንዚፎም ዝጸንሑ መደባት ናይ ምብርባር ዕድል ከም ዝፍጠር  እምነቱ ገሊጹ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብሓባር ዝተጓዕዞ ጽላል ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ከካይድ  ከም ዝጸንሐን እቲ መስርሕ ኣዝዩ ሓያል ከም ዝነበረን ሕጂ እውን ጌና በዳሂ ከምዘሎን ጠቒሱ። ሰዲህኤ ግና ነቲ ብሓባር ምስራሕ ከም መሰረታዊ ፖሊሲኡ ስለ ዝወስዶ ብምሉእ ዓቕሙ ክሰርሓሉ ከም ዝጸንሐ፡  ብኣብነታት እናሰነየ ሰፊሕ መብርሂ ሂብሉ።

ብዘይካዚ ብሓፈሻ ኣብ ከባብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳን ዝያዳ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክረአ ንዝጸንሐን ዘሎን ምዕባለ፡ ሰዲህኤ ካብ መጀመርታኡ ሓላፍነታዊ ሚዛናቱ እናንበረ ርትዓዊ ውሳነታት ክወስደሉ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ። ኩሉ ክውስኖ ዝጸንሐ ውሳነታት ብመንጽርቲ ኣብ ጉባአኡ ዘጽደቖ መሰረታዊ ፖሊሲታት ምንባሩን እዚ መርገጻቱ  ኣብዚ እዋንዚ እቶም ቀንዲ ክዋግኡ ዝጸንሑ ተዋሳእቲ ኮኑ፡ ነቲ ኩነታት ክፈትሕዎ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣካላት ነቲ ሰዲህኤ ካብ መጀምርያ ዝሓዞ ኣቕታጫ የማዕብልዎን የተግብርዎን ከም ዘለዉ ጠቒሱ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣባላት ሰዲህኤ ከምቲ ናይ ቅድሚ  ሕጂ ሰልፎም ንምሕያል ኣብ መጻኢ እውን ጻዕሮምን ተወፋይነቶም ከም ዝቕጽሉ ዘለዎ እምነት ልዑል ምዃኑ ብምጥቃስ ብፍላይ ንግደ ጨናፍርን ዞባታትን ብምጥቃስ  መብርሂኡ ዛዚሙ።

እዚ ሓፈሻዊ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ብምቕጻል፡ ብዛዕባ ብዙሓት ኣገደስቲ ዞባኡ ናይ ምሕያል ዛዕባታት ነዊሕ ግዜ ወሲዱ ተመያይጡ። ኣብቲ ምይይጡ ዝያዳ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም ጉዳያት ኣባላት ሰልፊ ምስፋሕ፡ መንእሰያት ዝሳተፍሉ ኩነታት ምጥጣሕን ኣብ መንጎ ዞባን ጨናፍር ዘሎ ዝምድና ምሕያል ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብ ርእሲኡ ኣባላት ሰልፊ ብመንጽር ውሽጣዊ ሕጊ ሰልፎም ግቡኣቶምን መሰላቶምን ብዛዕባ ዘተግብርሉ ኣገባባት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ሰልፎም ንምሕያል ዝበቅዎ ዓቕሚ ከምዘየለ ቃሎም ብምሕዳስ ኣኼባኦም ዛዚሞም።

Last modified on Monday, 13 June 2022 14:36