ኦባሳንጆ ኣብ መቐለ፡ ደብዳብ ኤርትራ ኣብ ሸራሮ

2022-06-01 05:42:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ  Published in EPDP News Read 818 times

 ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረሲደንት ናጀርያን ነበር ኦሊሶጎ ኦባሳንጆ ብ31 ጉንበት 2022 ናብ ትግራይ ኣምሪሖም ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል  ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡ፡ ቢቢሲ ንወሃብ ቃል መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃስ ሓቢሩ። እቲ ዜና ንትሕዝቶ ዝርርቦም ብዝምልከት ግና “ብዛዕባ ዞባዊ ጉዳያት” ካብ ምባል ሓሊፉ ዝገለጾ ዝርዝር የለን።

ኦባሳንጆ ቅድሚ ሕጂ እውን ነቲ ካብ ዝጅመር 19 ኣዋርሕ ገይሩ ዘሎ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሎም መፍትሒ ንምርካብ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ክመላለሱ ጸኒሖም እዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሰራዊት ኤርትራ ብ31 ጉንበት 2022 ኣብ ሰሜን ትግራይ ከተማ ሸራሮ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዝፈጸመ ማዕከን ዜና ሮይተር ዩኤን ቡለቲን (UN Bulletin) ዝተባህለ መጽሐት ብምጥቃስ ሓቢሩ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ እዚ ደብዳብ ዘጋጥም ዘሎ ድሕሪ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ህድኣት ኣብቲ ከባቢ እዩ።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ኣብ ርእሲቲ ናይ ዩኤን ቡለቲን፡ እቲ ደብዳብ ከም ዝተፈጸም ኣብቲ ቦታ ካብ ዘለዋ ግብረ ሰናይ ትካላት 23 ቡንባታት ከም ዝተደርበየ ምርግጋጹ ጠቒሱ። በቲ ደብዳብ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓቚቦም ካብ ዝነበሩ ተመዛበልቲ ስድራቤታት 18 ሰባት ከም ዝቖሰሉ፡ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ከም ዝሞተትን 12 ኣባይቲ ድማ ከም ዝተጐድኡ ሓቢሩ።

ሮይተርስ ከም ዝገለጾ ነቲ ከባቢ ዝመሓድርን ዝቆጻጸርን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብ28ን 29ን ጉንበት 2022 ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ እዚ ውግእ ተኻይድሉ ዝተባህለ ቦታ፡ ካብ ዶብ ኤርትራን ትግራይን፡ ናብ ትግራይ ኣስታት 7 ማይልስ ኣቲኻ ዝርከብ እዩ።

ማዕከን ዜና  ሮይተርስ ከም ዝጠቐሶ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ  የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባቲ ኩነታት መብርሂ ንክህብ ተሓቲቱ ኣይመለሰን። በዚ መሰረት ብፍላይ ብዛዕባቲ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ኣውሪደዮ ዝበሎ ናይ ዝተቐትሉ፡ ዝተወግኡን ዝተማረኹን ኣሃዛት ካብ ናጻ ኣካል ምጽራይ ኣይተኻእለን።

ኣብ መወዳእታ ሮይተርስ ኢትዮጵያውያን፡ ኮለኔል ጌትነት ኣዳነ ወሃቢ ቃል ሰራዊትን ዶ/ር ለገሰ ትሉ ወሃቢ ቃል መንግስትን  ብዛዕባቲ ኩነታት ተሓቲቶም ስሉጥ መልሲ ከምዘይሃብዎ ኣስፊሩ።

Last modified on Wednesday, 01 June 2022 07:47