ሱዳን፡ ኣብ ከሰላ ሰዓት እቶእቶ ተኣውጁ

2022-05-12 18:20:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 814 times

(ብሰንክቲ በብግዜኡ ኣብ መንጎ ዓሌታት ኑባን በኒዓምርን ዝፍጠር ጐንጺ 80 ዝኾኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ይንገር።)

ሱዳን ታ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቐረባ እተዋሰን ምብራቓዊት ከተማ ከሰላ ብ11 ጉንበት 2022 ሰዓት እቶእቶ ከም ዝኣወጀት “ኣልዓይን /ALAIN” ዝተባሀለት መርበብ ሓቢራ። ሱዳን ነዚ ኣዋጅ ከተውጽእ ዘገደዳ ኣብታ ከተማ ኣብ መንጎ  ኑባን በኒዓምርን ዘጋጠመ ሓደገኛ ዓሌታዊ ጐንጺ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ሓለፍቲ ከተማ ከሰላ ካልእ መተካእታ ውሳነ ክሳብ ዝመጽእ እቲ ኣዋጅ ሰዓት እቶእቶ ከም ዝቕጽል ምግላጾም ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ እቲ ዓሌታዊ ጐንጺ ምስተፈጠረ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኣትዮም ከም ዘህድእዎን ሓደ ሰብ ጥራይ ከም ዝሞተን  ተፈሊጡ።

ቅድሚ ሕጂ ኣካል  ዞባ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝኾኑ ከባብታት ከሰላ፡ ፖርትሱዳንን ገዳርፍን ብዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ዓሌታዊ ጐንጽታት  ካብ ክልቲኦም ወገናት 80 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንግዜኡኳ ነቲ ዓሌታዊ ጉንጽታት ኣህዲእዎ እንተነበረ፡ ደሓር ግና ናብቲ ዝነበሮ እዩ ተመሊሱ። ኣብ ሱዳን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ምዕራብ ዳርፎር ብዝተላዕለ ተመሳሳሊ ጐንጺ ኣስታት 200 ሰባት ከም ዝሞቱ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ። እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወታደራዊ መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ እዋንዚ ናብ ኩሉ ከባብታት እታ ሃገር ሰራዊት ኣዋፊሩ ኣሎ።

እዚ ጐንጺ ተላዒልሉ ዘሎ ከባቢ ሱዳን፡ ብወገን ተሰነይ ምስ ኤርትራ፡ ብወገን ሑመራ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝዋሰን ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስ ምዕራብ ኤርትራ ናይ ቀረባ ኩለ-መዳያዊ ምጽልላው ዘለዎ እዩ።

Last modified on Thursday, 12 May 2022 20:30