ዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ኣጋይሽ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም

2021-11-08 10:46:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1018 times

ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ብ7 ሕዳር 2021 ንፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ ኤሊሰንጎን ምክትል ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲአት ሕቡራትን ኣወሃሃዲ ህጽጹ ሓገዝን ማርቲን ግሪፊትስን ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዘዘራረቡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ህወሓትን ወሃብ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም።

ኣቶ ጌታቸ ኣተሓሒዞም ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ምስቶም ሓለፍቲ ብሓፈሻ ብዛዕባ ፖለቲካውን ሰብኣውን  ቅልውላው  ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ከምኡ እውን ንዞባዊ ምዕባለታት ኣብ ዝምልከት ዝተገብረ ርክብ ውጽኢታዊ ምንባሩ ጠቒሶም።

ኣብቲ ርክብ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ኣመልኪቶም መርገጺ ትግራይ እንታይ ምዃኑ ንኽልቲኦም ልኡኻት ከም ዝገለጽሎም ክሕብር እንከሎ፡ ንዝርዝር  ትሕዝቶ ናይቲ ዝተዘራረብሉ ዛዕባታት  ዝምልከት ሓበሬታ ግና ኣይተገልጸን።

እዞም ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዶ/ር ደብረጼን ዝተራኸቡ ኣጋይሽ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይ ዘሎ ፐለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው ንክፈትሑ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ክገብሩን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዎት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራከቡን ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ኣብቲ ዕለት ጉዳዮም ወዲም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመልሱ ከኣ ተፈሊጥይ።።

ሮይተርስ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ እቲ ርክብ ኣብ መቐለ ከም ዝተኻየደ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እንተኾነ ወሃብቲ ቃል መግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብዛዕባቲ ርክብ ርኢቶ ክህቡ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑ ጠቒሱ።

Last modified on Monday, 08 November 2021 12:01