ከተማ መቐለ ብነፈርቲ ተደብዲባ

2021-10-19 09:01:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 973 times

ስእሊ DW

ከተማ መቐለ  ብ18 ጥቅምቲ 2021 ክልተ ግዜ ብነፈርቲ ከም ዝተደብደበት ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሮም። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ መንግስታዊ  ወሃብ ቃሉ ነቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣየካየድኩዎን ኢሉ። ብኣንጻሩ  መንግስታዊ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ወገናት እቲ ደብዳብ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዝተኻየደን እቲ ዝድለ ዒላማ ከም ዝወቐዐን ተኣሚኑ። እዚ ከምዚሉ ኢንከሎ ወተሃደራዊ ወሃብ ቃል ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ዝበሎ የለን።

ብዙሓት ተዓዘብቲ  ኣብቲ ተግባር ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተገራጫዊ ሓሳባት ከም ዝተዋህበ ይገልጹ ኣለዉ። ነዚ ደብዳብ ብዝምልከት ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ክሕብሩ እንከለዉ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲአት ከኣ እቲ ደብዳብ ከም ዝተኻየደ ተኣሚኖም ንሮይተርስ ኣረጋጊጸምሉ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መደበር ተለቪዥ ትግራይ ብወገኑ ሽዑንሽዑ ብዛዕባቲ ደብዳብ ተንቀሳቐሲ ምስሊ ኣሰንዩ ዜናዊ ሓበሬታ ዘርጊሑ። በቲ ዜና መሰረት እቲ ደብዳብ ዝተኻየደሉ ቦታታት ካብ ከተማ መቐለ ንወገን ሰሜን ኣብ መንገዲ ዓዲ ግራት መሰቦ ኣብ ዝበሃል በረኽቲ ቦታታትን ሓሬና ኣብ እትበሃል ቁሸትን  ኣብ  ማእከል ከተማ መቐለ ኣብ ጥቓ ፕላኔት  ሆቴልን ዝርከብ ዕዳጋ ሰኑይ እዩ። ብሰንኪ እዚ ደብዳብ 3 ሰባት ሞይቶም 9 ሰባት  ከኣ ከም ዝተወቕዑ መወከሲ ሆስፒታል  ዓይደርን ካለኦት ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ናይ ዓይኒ መሰኻክርን ሓቢሮም። ካብዚ ሓሊፉ ዝተወሰኑ እንስሳ ዘቤት በቲ ደብዳብ ከም ዝተቐትሉ እውን ተፈሊጡ።

ብዙሓት ተዓዘብቲ እዚ ደብዳብ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባታት ወሎን ጐንደርን ኣብ መንጎ ሓይይልታት ምክልኻል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ጽዕጹዕ ውግእ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይገልጽዎ ኣለዉ።

ሓደሓደ ናይ ማሕበራዊ መራኸብታት ከኣ እተን ዝደብደባ  ነፈርቲ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እየን ነቒለ ዝብል ሓበሬታ ዘርጊሐን።

Last modified on Tuesday, 19 October 2021 11:09