ሕቡራት ሃገራት ኣብ  ውግእ ትግራይ ኩሎም ወገናት ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት  ከምዝፈጸሙ ኣፍሊጡ

2021-09-14 19:06:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1187 times

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኩሎም ወገናት ከቢድ ግህሰት  ሰብኣዊ መሰል ከም ዝፈጸሙ፡ ሚሸል ባቸለት፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ገሊጸን። እተን ኮሚሽነር ንሰን ዝመርሐኦ ትካል ሕቡራት ሃገራትን መንግስታዊ ትካል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ብሓባር ናይ ዘካየድዎ ውሱን መርመራ ጠቒሰን መግለጺ ከም ዝሃባ ተፈሊጡ።

ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሓባበርቶምን፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ቅትለት፥ ጾታዊ ዓመጽ፣ ሰፊሕ ዝምታ፣ ምምዝባልን ምቕያድን ሲቪላውያን ፈጺሞም ክብላ ከሲሰን። እተን ኮሚሽነር ኣብቲ ኣብ  ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ናይቲ ዝመርሐኦ ትካል ኣኼባ፡ ንሓይልታት ትግራይ እውን ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ከይዶም ተመሳሳሊ በደላት ከም ዝፈጸሙ ጠቒሰን።

ኮሚሽነር ባችለር ኣብቲ ኣኼባ ውጽኢት ናይቲ ካብ 16 ጉንበት ክሳብ 20 ነሃሰ 2021 ዝተኻየደ ናይ ሓባር መርመራ ባሕቲ ሕዳር 2021 ከም ዝግለጽ ኣፍሊጠን። እቲ  ሓባራዊ መርመራ፡ ኣብ ከተማ መቐለን ምብራቓውን ደቡብውን ትግራይን፡ ከምኡ'ውን ከባብታት ውቕሮ፣ ሳምረ፣ ኣላማጣ፣ ቦራ፣ ዳንሻ፣ ሑመራን  ማይካድራን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ብወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ ግፍዒ ከምዝተፈጸመ ተነጊሩ። ብብዙሓት ወገናት ከቢድ ግህሰት ከምዝተፈጸማ ዝንገረላ፡ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም እትርከቦም ማእከላይን  ምብራቓውን ዞባታት ትግራይ ብሰንኪ ጸጥታዊ ጸገም ክብጻሕ ከምዘይተኻእለ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ተሓቢሩ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ኣክሱም ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ርግጸኛ ኮይኑ ሓበሬታ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ዝቐረቦ ክሲ ኣይተቐበሎን።

እቶም በቲ መርመራ ዝተኣከቡ ሰነዳት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፣ ጃምላዊ ቅትለትን ምስዋርን ዝርከቡዎም፡ ብርክት ዝበሉ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ከምዘነጸሩ እተን ኮሚሽነር ኣረዲአን ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ብወገኖም፡ እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ መስርሕ ምትንታን ከም ዘሎ ብምጥቃስ  ብመሰረት ክልቲኦም ወገናት ዝበጽሑዎ ስምምዕ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር 2021 ውጽኢቱ ወግዓዊ ከም ዝኸውን ገሊጾም። እቶም ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ማሕበረሰብ ዓለምን ሕጂ'ውን ንስቓይ ኢትዮጵያውያን ፍታሕ ዝህብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ክትግንዘቡ ይግበኣኩም" ኢሎም። ምስዚ ብዝተጠሓሓዘ ኮሚሽነር ባችለር ብወገነን ኩሎም ወገናት፡ ብዘይቅድመኩነት ተጻብኦታት ብምቁራጽ፡ ነባሪ ፍታሕ ከናድዩ ጸዊዐን።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ከኣ እቲ ኮሚሽን ዘካየዶ መጽናዕቲ መንግስታዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበ'ዩ፡ ብምባል ከም ዘይቅበልዎ ከም ዝገለጹ ካብ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

Last modified on Tuesday, 14 September 2021 21:19