ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን፡ መግለጺ ኣውጺኦም

2021-07-14 07:46:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1352 times

ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ብ13 ሓምለ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መግለጺ ኣውጺኦም። እቶም ኮሚሽነር ኣብ መግለጺኦም፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ረዲአት ብምቕራብን ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ብቑዓት ክኢላታት ብምምዳብ ብዝከኣሎም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ምስዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዞም፡ እቶም ስደተኛታት ተዓቚበሙለን ካብ ዝነበሩ መደበራት፡ እተን ክልተ ሽመልባን ሕንጻጽን ዓንየን፡ ኣብኣተን ዝነበሩ ስደተኛታት ንዝተፈላለዩ ጸገማት ብምቅለዖም፡ ኣብ ዝለዓለ ሻቕሎት ከም ዝጸንዝሑ ጠቒሶም። ከምኡ’ውን ብሰንክቲ ዘጋጠመ ውግእ ብዙሓት ስደተኛታት ነብሶም ከድሕኑ ፋሕ ኢሎም ክሃድሙ ከም ዝተገደዱን ንብረቶም ተዘሚቱ ብዙሕ በደላትን ግህሰታትን ከም ዘጋጠሞም ካብ እሙናት ኣካላት ስሩዕ  ሓበሬታ ከም ዝበጸሖም ኣብ መገልጺኦም ኣስፊሮም።

ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንዲ፡  ሻቕለቶም ብሓፈሻ፤ ብዛዕባዞም ስደተኛታት ዝለዓለ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብለይቲ ኣብ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዘጋጠመ ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ሽረ ብዙሓት ስደተኛታት ከም ዝተኣስሩ ዝጠቅስ ሓበሬታ ምስ በጸሖም፡ ኮሚሽኖም ብዛዕባዚ ኣብ ልዕሊ ዑቑባ ዝሓተቱ ስደተኛታት  ዝወረደ ዘይሕጋዊ ተግብር መብርሂ ንምርካብ ናብ መቐለ ከም ዝሓተቱ ኣብዚ መግለጺኦም ኣስፊሮም። ብዘይካዚ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ መቐለ ንዘለዉ ኣካላት ብዛዕባዚ ጉዳይ ምጽራይ ንኽግበር ከም ዝተማሕጸኑ ገሊጾም።

እዞም ኮሚሽነር “ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘጋጥም ምግልታዕ ጠጠው ክብል ይግበኦ፡ ምኽንያቱ ሰደተኛታት መሰል ዕቑባ ዝሓቱ ሲቪል እዮም” ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ክምእዘዙ ይግበኦም ኢሎም። ቀጻሊ ተግባራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ሓድሽ መደበር ስደተኛታት ካብ ምህናጽ ጀሚርካ፡ ድሕነት ስደተኛታት ምሕላው ከም ዝኸውን ጠቒሶም።

ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበራ 4ተ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሕንጻጽን ሽመልባን ኣቐዲመን እቲ ውግእ ምስተጀመረ ከም ዝዓነዋ ዝዝከር እዩ። እተን ደሓን እየን ተባሂለን ዝነበራ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ከኣ፡ ኣብዚ እዋንዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ፍሉይ ሓይሊኣምሓራን ኣብ ዝመናጠልሉ ክሊ ኣትየን ኣለዋ።

Last modified on Wednesday, 14 July 2021 09:49