ዶብ ዝሰገረ፡ ህውከተኛ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ

2021-06-02 06:41:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1482 times

ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ተወከልቲ ሱዳናውያን ዓሌት ሃደንደዋ ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ሕቡእ ርክብ ከም ዘካየዱ መደበር ተለቪዥ ኤሪሳት ኣቃሊዓ። ኣብዚ ብ16ን 17 ጉንበት 2021 ነቲ ሕቡእ ኣኼባ ዘካየድዎ ሓለፍቲ ጸጥታ ህግደፍ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳ፡ ኮለኔል ዮናስ ብጹኣምላኽን ኮለኔል ወልደዝግን ምዃኖም እቲ ካብ ኤሪሳት ዝተረኽበ ሓበሬታ ጠቒሱ። ካብ ሰዳናዊ ዓሌት ሃደንደዋ ኣብዚ ኣብ ፕረሲደንታዊ መቐበል ኣጋይሽ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ምስጢራዊ ናይ  2ተ መዓልታት ርክብ ጸለውቲ ታባሂሎም  ዝተሳተፉ ከኣ ዑምዳ ሸባብ ድራር፡ ሓጅ መሓመድ ፍካክ፡ ሑመድ መሓመድ ዓባስን  ሸኽ ሱሌማን ዓሊ ቢታይን ነይሮም።

ዕላማ ናይዚ ን2ተ መዓልታት ዝተኻየደ ምስጢራዊ ርክብ፡ ኣብ ዞባታት ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ሱዳንን ዘሎ ዓሌታዊ ጉንጺ ንምስዋር እዩ። ድሕሪ’ዚ ካብቶም ኣብዚ ርክብ ዝተረፉ ደቂ ሃደንደዋ እቶም 3  ብማይ ህመት ኣቢሎም ናብ ፖርት ሱዳን ክምለሱ እንከለዉ፡  ዑምዳ ሸባብ ድራር ግና ብመንገዲ ዱባይ ኣቢሉ ናብቲ ዝነብረሉ ሃገር ግብጺ ከም ዝተጓዕዘ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ነቲ ናይ ምዝራግ መደባቶም ንምዕዋት፡ ኣብ ባንክ ኤርትራ ብስም ሱሌማን ዓሊ ቢታይ ሕሳብ ክኽፈተሎም እንከሎ፡ ብጥሪኡ ከኣ 3 ሚሊዮን ዶላር ተዋሂብዎም። ከምኡ እውን ኣብ ኡንዱርማን ብስም ወሃብ ፍካክ ዝበሃል ኣካሎም  ኣብ ዘሎ  ሕሳቦም፡ ካብ ንግዳዊ ትካል ህግደፍ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ልዕሊ 7 ቢልዮን ጅኔ ሱዳን ተቐሚጥሎም። ብዘይካዚ ብ19 ጉንበት 2021 ካብ ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ 500 ጠበናጁን 34 ሸጓጉጥን ከም ዝተዋህቦም ተጠቑሱ።

እዚ ብህግደፍ ዝድገፍ ናይ ሱዳናውያን ዓሌት ሃደንደዋ፡  ዕላማኡ ንከዕውት ምድላዋት ዝገብረሉ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ ቦታ ተዋሂብዎ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድፍኢት ጉጀል ህግደፍ ከኣ  ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ሱዳንን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፖርት ሱዳን ቀቢላዊ ጐንጺ ስለ ዝተለዓዓለ መንግስቲ ሱዳን ኣብተን ከባብታት ሰዓታት እቶእቶ ክእውጅ ተገዲዱ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጐ ቀቢላታት ቤጃን በንዓምርን ህውከት ኣለዓዒሉ ክዘርግ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ሱዳን እውን ህውከት ኣብ ምፍጣር ተጸሚዱ ከም ዝጸንሐ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

Last modified on Wednesday, 02 June 2021 08:45