ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ጸብጻባቱ መዚኑ

2021-03-02 08:40:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1685 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ርእስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ከካይዶ ዝጸንሐ ፍሉይ ኣኼባታት፡ ብ28 ለካቲት 2021 ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ፡ 5ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣብ ምጅማር እቲ ኣኼባ  ሓጺር መኽፈቲ ቃል  ኣስሚዑ። ኣስዒቡ ከኣ ነቲ ኣቐዲሙ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ናይ ኣኼባ ኣጀንዳ  ኣዘኻኺሩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተሰርሑ ሰልፋዊ ዕማማት ዝድህስስ ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ጸብጻባት መዚኑን ተመያይጥሉን። እቲ ጸብጻብ ኣብያተ ጽሕፈት ኣቐዲሙ ናብ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተዘርጊሑ ምስ ጸንሐ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ  ጸብጻብ ናይተን ኣብያተ-ጽሕፈት  ከኣ ዝርዝራዊ ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብያተ-ጽሕፈት ብመሰረትቲ ኣቐዲመን  ዝተለመኦ፡ እዋናዊ ኣገዳሲ መደብ ስረሓት ከም ዝዓመማን ዝተርፈን ከም ዘሎን ተራእዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት እቲ ኣወንታዊ ጐኒ ዝያዳ ጐሊሑ ዝቕጽለሉ፡ እቲ  ሕጽረታት ከኣ ዝምላኣሉ ስልትታት ቀይሱ።

ብዘይካዚ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ14 ለካቲትን 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ዝተመያየጠሉ  ዛዕባታት ዝትግበረሉ መንገድታት ኣሚቱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣኼባ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞ ሓይልታት ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ሓድነት ናይ ምርግጋጽን ንምሕያል ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ፡ ሰዲህኤ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ከም ዝኾነ ኣረጋጊጹ። ብምትሕሓዝ ከኣ ብፍላይ እቲ ንኤርትራ ብቐጥታ ዝጸልዋ ኩነታት ኢትዮጵያ-ትግራይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ምዕባለታት ዞባና  ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ ደረጃ ኣትዩ ከም ዘሎ ተረዲኡ። ካብዚ ተረድኦዚ ነቒሉ ከኣ ነዚ ምዕባለታት እንዳተኸታተልካ ቀጻሊ ሚዛናት ምግባር ከም ዘድሊ ኣኼባ ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ደገፍቲ ሰልፍናን ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ተሃዋሲ ኩነታት፡ በቲ ሓደ ወገን ዓቕምን ሓድነትን ሰልፊ ኣብ ምሕያል፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምስ ኩሎም ሓይልታት ለውጢ ሓቢርካ ዘስርሕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር  ቃልሶም ከዛይዱ ኣኼባ ጸዊዑ።

Last modified on Tuesday, 02 March 2021 09:42