ቃል ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ናብ ዞባዊ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካ 16 ጥሪ 2021

2021-01-16 20:19:34 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP News Read 2962 times

TWD A140

ክቡር ኣቦ መንበርን ክቡራት ኣባላትን መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ!

ክቡራት ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ዞባ!

ክቡት ኣባላት መሪሕነት ሰልፍን ዕዱማት!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ሰክረታርያን ተሳተፍቲ ጉባኤን! 

ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  እንቋዕ  ናብ ምስልሳል ዞባዊ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካ ኣብቅዓኩም እናበልኩ፡ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ኣመሓላልፍ። ነዚ ጉባኤ’ዚ ምክያድ ምብቃዕኩም ንባዕሉ ብስራት ዓወት’ዩ እናበልኩ ድማ’የ ዝጅምር።

ብምቕጻል፡ እቲ ንሚልዮናት ለኺፉ ናይ ኣማእታት ኣሽሓት ህይወት ዝወስደ፡ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባዊን ህይወት ደቂ ሰባት ሓያሎ ዕንወታት ዘኽተለ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይሩስ፡  ንሰልፍና እውን ከም ዓለሙ  ተንኪፍዎ፡  ንምንቅስቓስና ከኣ  ደሪትዎ ጸኒሑ እዩ።  ብሰንኪ’ዚ ሕማም ኮሮና ዝሓለፈት ህይወት ብጻይናን ዝተጐድኡ ስድራቤታትን ኣለዉና። ካብ መድረኽ ናይዚ ጉባኤ፡ ንኩሎም ዝሓመሙ ምሕረት የውርደሎም ነቶም ህይወቶም ዝኸፈሉ ከኣ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም እናበልና ንዝክሮም። ምስ’ዚ ኩሉ ኣንጸላልዩና ዝጸንሐ ሓደጋታት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ ዋላኳ’ቲ ኣብ ኣትላንታ ብኣካል ከካይዶ መዲቡ ዝነበረ ዞባዊ ጉባኤኡ እንተተዓንቀፈ፡  ምስ ዝተረኽበ ሓድሽ ምዕባሌታት ብምትዕጽጻፍ  ስርሓቱ ከካይድ ምብቅዑ፡  ኣውራ ድማ  ድሕሪቲ ብሓምለ 2019  ዝተኻየደ  ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ፡ ንመላእ  ጨናፍር ዝሓቖፈ፡ ልሙጽን ዕዉትን መስርሕ ምጽንባር ምክያዱ፡  ኣዝዩ ዕዉት ምንባሩ ክንምስክረሉ ዝግባእ እዩ።

ሕጂ ከኣ እኹል መጽናዕትታቱ ድሕሪ  ምክያድ፡ ብኤለክትሮኒካዊ መንገዲ ናይ መላእ ሰሜን ኣመሪካ ዞባዊ ጉባኤ ከካይድ ምብቅዑ፡ ዮሃና እናበልኩ፡  ንኣባላት መሪሕነት  ዞባ ሽማግለ፡ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ንሓጻይት ሽማግለን ንኩሎም እቶም ነዚ ዕዉት ስራሕ ንምስልሳል ዝወፈርኩም/ክን ኣባላት ዞባን፡ ብሓፈሻ ንኩለን ጨናፍርን፡  ኣባላትን ናይ  ዮሃና መልእኽተይ አመሓላልፍ።

ብማዕዶን ብመስኮት ኮምፑተርን  ዝካየድ፡ ዞባዊ ጉባኤ፡ ኣብ ምድላው ሰነዳቱ፡ ኣብ ኣሰታትፋኡን  ኣመራርሓኡን ፡ ኣብ ሕጸታቱን ምምራጽ መሪሕነቱን፡ ከምቲ ዝለመድናዮን ንዓመታት ዝሰራሕናሉን ዘይኰነ፡ ሓድሽ ባህሪ፡ ሓድሽ ጠባይ፡  ሓድሽ  ኣገባብ ሒዙ ከም ዝገዓዝ፡ ንህልዊ ተክኖሎጂያዊ መኽሰባት  ተጠቒሙ ከም ዝሰርሕ ርዱእ እዩ። ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ንመጀመርታ ግዜ ንጉባኤኡ በዚ ኣገባብ ክወስዶ ከሎ፡ ንባዕሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመላእ ሰልፊ ተመክሮን ኣብነትን እዩ። ምስኡ ድማ፡ ክሳብ ክንደይ ንተዓጻጸፍ፡  ክሳብ ክንደይከ ኣሰራርሓና ምስ ህልዊ ኩነታት  ብዘሳኒ መንገዲ ነካይዶ ንምምዛን ዘብቅዕ ፈታኒ ተመክሮ እዩ።  ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ኣዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ፡ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዘሎ  ጉባኤ ምዃኑ ምዝኽኻር ዘድልዮ ኣይመስልንን። ስለ’ዚ ድማ ጉባኤኛታት ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዓቢ ሓላፍነት ከም ዝሰርሑን ከም ዘዐውትዎን ምሉእ እምነት ኣለኒ።

ዝኸበርክንን ዝኸበኩምን ኣባላት ጉባኤ!

ንእግረ መንገደይ ጠቒሰዮ ከም ዝነበርኩ፡ ድሕሪ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ፡ ብመሰረት እቲ ዝጸደቐ ሰልፋዊ ፕሮግራምን  ፖሊሲታት ሰልፍን፡  ናይ ስራሕ ቀዳምነታት እናሰራዕና ክንንቀሳቐስ ጸኒሕና ኣሎና። ካብ ዝተረኽበ ኣወንታዊ ምዕባሌታት ብሓጺር ነዚ ዝስዕብ ከነዋጽእ ንኽእል፥

  1. ድልዱል ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘዕቆበ፣ ህዝባዊ ተሰማዕነት ዘለዎ፣ ውድባዊ ሕግታቱን ስነ ስርዓቱን ዝሓለወ፡ ንቑዕ ኣባል ዝውንንን፡  ድሕሪ ህልዋት ኣባላቱ ንውሉድ ወለዶ ዝቕጽልን ሰልፊ ምህናጽ፡
    • ኣብዚ መዳይዚ  ናይ ምጽንባር መስርሕ ብልሙጽ ኣብ ርእሲ ምክያድ፡ ናይ መላእ ኣባላት ተሳትፎ ኣብ ምሕያል ሰልፊ ምርኡይ ነይሩ። እቲ ምጽንባር ንፍልልያት ክልተ ድሕረ ባይታት ኣዝዩ ዘህሰሰ፡ ሓድነት ዘረጋገጸ ብሓቂ ዕዉት ነይሩ። ‘ንድሕሪት ዘይምለስ ሓድነት’ ንዝብል ጭርሖ ዘተግበረ ነይሩ። ብተወሳኺ ሓያል ሰልፊ ንምፍጣር ዘብቅዐ ዕዉት ፊናንሳዊ ወፍሪን፡ መዘና ዘይብሉ ተወፋይነት ኣባላትን ተራእዩ። ሓያሎ ኣባላት ዘይቅሉዓት ኰይኖም ምስ ሰዲህኤ ወጊኖም ክቃለሱ ዝመርጹ ምህላዎም ተጋሂዱ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ናይ ተደጋገፍቲ ኣባላት ሓያል ኣበርክቶ ኣመዝጊቡ።
  2. ሓባራዊ ዕዮ ደምበ ተቓውሞ ንምሕያል ብዘይምቁራጽ  ምስራሕ፤
    • ኣብዚ መዳይዚ እቲ ብስምምዕ ለንደን ዝፍለጥ ንሓያሎ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝሓቖፈ ምውህሃዳዊ ውዕል ተዓዊቱ። ብኡ መሰረት ሓባራዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለን ሓይልታት ዕማምን ቆይመን። ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ሕዝባዊ፡ ዜናዊ፡ ፊናንሳዊ  መዳያት ሓባራዊ ዕዮ ክካየድ ጀሚሩ ኣሎ።  እቲ ምውህሃድ ናብ ዝበረኸ መድረኽ ሓባራዊ ዕዮ ንምስግጋር ከኣ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ቆይማ ትዋሳእ ኣላ።
  3. ምስቶም ብፕሮግራምን፡ ስልቲ ኣሰራርሓን ዝመሳሰሉና ኣብ ምሉእ ምጽንባራዊ ሓድነት ምእታዉ፤
    • ኣብ ጉዕዞ ምጽንባራዊ ሓድነት ምስ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ) ዕዉት ልዝብ ድሕሪ ምክያድ ኣብ መነጎ ክልቲኡ ውድባት ምጽንባራዊ ሓድነት ተኻይዱ። እዚ ድማ ነቲ ውድብ ዘጽንሖ መቃለሲ ባይታ ዘስፍሐ፡ ንንያትናን ንያት ደገፍትናን  ክብ ዘበለ ምንባሩ  ዘይሰሓት ሓቂ እዩ። እዚ  ሓድነት’ዚ ንዕዮታትና  ኣብ መዳይ  ውሽጣዊ  ጉዳያት ኣዝዩ ዝሓገዘ ኣወንታዊ  ምዕባሌ ምንባሩ ከይጠቐስናዮ ዘይንሓልፍ ሓቂ እዩ።
  4. ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ዜናዊ፡ ፊናንሳውን፡ ማሕበራውን መዳያት  ሰልፋዊ ዕዮ በቲ ኣብያተ ጽሕፈታቱ ተወኪሉ ዕዉት ዕማም ከነሰላስል ጸኒሕናን ኣሎናን።  ከም ሰልፊ  ዕቤት ከነርኢ በቂዕና ኢና።
  5. ኣብ ውደባዊ ጉዳያት፡ መዳያት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ስርርዓት ሰልፍና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ይጐዓዝ ምህላዉ፡ ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ክካየድ ዝበቕዐ ምዃኑ፣ ብወገን መንእሰያት እውን ኣብ ዘተፈላለየ መዳያት ኣውራ ድማ፡ ኣብ ምትርጓም ሰነዳት ሰልፍን፡ ተሳትፎ ኣብ ማሕበራዊ መድያን ምርኡይ ተራ ምህላዉ ዘሕብን እዩ።

ክቡራት ኣባላት ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

እዚ ብሓጺሩ ዝቐረበ ኣወንታዊ ውጽኢታት ሰልፋዊ ምንቅስቓስና፡  ሓፈሻዊ ሚዛን ንምቕራብ እምበር  ዝርዝር ጸብጻብ ንምቕራብ ዝሕልን ኣይኰነን። ኣብ ፖሊቲካዊ መዳይ፡ ብደረጃ  ኤርትራን ከባቢናን፡  ኣብ ምዝዛም ዓመት 2020  ብፍላይ ሓይሎ ምዕባሌታት ከም ዝተራእየ ኣይሰሓትን።

ኣብ ኢትዮጵያ  ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲን ክልል ትግራይን ዝተባርዐ ወግእ፡ ነቲ ዞና ብምሉኡ ኰነ ንመላእ ዓለም ዘሻቐለ ምንባሩ ኩልና እንርድኦ እዩ። እዚ ውግእ’ዚ ዕንወት፡ ስደት ህልቂትን መፍሳስ ደምን ከምኡን ከቢድ መበቆላዊ ጽላታት ዘከተል ኣሰራት ከም ዝነበሮን ከም ዘልውዎን እውን ካብ ኩልና ስዉር ኣይኰነን።  ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሓቲ ሓላፍነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ምስቲ ብዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ወጊና ናብቲ ኲናት ከም ዝኣተወት ንሕናን ዓለምን ዘረጋገጾ እዩ። እቲ ውግእ ዞባዊ ርሕቀት ይወስድ ምህላዉ ዘርኢ ድማ፡  ብወሰናስን ዶባት ኣሳቢቡ ዝተላዕለ ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወግእን ናይ ከባቢ ሃገራት መርገጻትን ምድግጋፍን ኣሎ።  ንሕና ከም ሰልፊ፡ በቲ ማእከላይ ባይቶ ዝወሰኖ መሰረት፡  ብንጹር ክንገዓዝ ጸኒሕና ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኩነታት  ኢደ ጣልቃነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይንቕበልን ኣይንፈቅድን ። ነቲ ብምሕዝነት ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈነወ ናይ ህልቂት ወራር እናኰነንና፡ እቲ ውግእ ብዘይካ ዕንወት ሞትን ስደትን ካልእ ረብሓ ሰለ ዘይብሉ፡ ንዘተን ሰላምን ዕድል ከወሃብ እዩ ጸዋዒትና።  ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ከኣ  ኣብ መንጎ ተጓንጸቲ ሓይልታት ዘተ ክካየድ ኣብ ልዕሊ ምጽዓር፡ ንኤርትራውያን  ስደተኛታት ምሉእ ምክልኻል ክገብረሎም  ጸዋዒትና ምቕራብ እዩ።  

ተሳተፍቲ ጉባኤ!

ኣብዚ  ዝሓለፍናዮ መድረኽ፡ ሓያሎ ኣወንታት ከም ዘመዝገብና ጠቒስና። በዚ ዓይኒ ክንርኢ ከለና፡ እወ ብሓቂ ሰዲህኤ ምዃን ክብሪ እዩ፡ ኩርዓት እዩ።  ሰዲህኤ ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣብ ሰዲህኤ ምህላዉ  ዓውደ ፍልጠትና  ምምዕባል እዩ። ሰዲህኤ ማለት ናይ ፖሊቲካ ስድራቤት ማለትዩ። ስድራቤት ማለት ድማ ብሓባር ንትንስእ፡ ብሓባር ንወፍር፡ ንደጋገፍ ብሓባር ድማ ንዕወት ማለት’ዩ። ስለዚ ድማ መሰረታዊ ምስጢር ሓይልና፡ ሓድነትና፣ መሰረታዊ  ዕጥቅና ድማ ፕሮግራምናን ሓድሕድ ምትሕልላይናን እዩ።

እዚ ክበሃል ከሎ ግን ንሰዲህኤ ብድሆታት ኣይገጥሞን፡ ኣይምከትን፡  ወይ ድማ ኣይጽገምን ማለት ኣይኰነን።  ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ  ፈተናታት ነይሮምና እዮም። ኩሎም ንሓድነት ዝበሃግናዮም፡ ዘይተዓወትናሎም፡ ክረጋገጽ ብማለት ዝጸዓርናሉን ግን ዘየሰለጠና ኣሎ፡፡  ምሳና ክጐዓዙ ጀሚሮም ኣብ መንገዲ ዝወደቑና ኣለዉ። ብሓጺሩ  ከምቲ መቐረት ዓወት ዝጠዓምና፡ ናይ ውድቀት ምረት እውን ብመጠኑ ቀሲምና ኢና። ኩሉ ዝደለናዮ ከይኑልና ማለት ኣይኰነን። ብዓቢኡ ከኣ እቲ ምሉእ  ዓወት ኤርትራ፡  ማለት ውድቀት ምልካዊ ስርዓትን ምህናጽ ዲሞክራስያዊት ሃገርን፡ “እዋእ! ደንጉይና’ምበር”  ዘይበልና ኣይኰንናን። ግን ዘይገሃስ ቅዋም ረጊጽና፡  ዘይደክም ጽንዓትን ዘይመውት ተስፋን ተቐኒትና፡ ዘይልህልህ ጉዕዞ ሓርነት ክንምርሽ ስለ ዝመረጽና  ስጊርናዮ።  ሕጂ ድማ፡  ኣብ ፈታኒ መድረኽ ኣቲና ኣለና። ሓድነትናን  ጽንዓትናን ኮታ ብቕዓትና እውን ከይተረፈ  ይፍተን ኣሎ።  ንሕና ጥራይ ዘይኰንና መላእ ደምበ ተቓውሞ እውን ኣብ ፈተነ ኣሎ።  ኣብ ዞባና ፖሊቲካዊ ዳግመ ስርርዓት ክኸይድ ድዩ? ሰልፋዊ ናጽነትና ከመይ ክትንከፍ እዩ? ሕጂ’ኸ ዓለም እንታይ ትደሊ ኣላ? ዝብሉ  ሕቶታት ፈተንቲ  ኰይኖም፡ ንምልኣት ሓድነት  ህዝብና፡ ከምኡውን  ንልዑላውነትን ናጽነትን  ኤርትራ፡ ዝፈታትን ወስታታት  ይገሃድ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ንሕና ከም ሰልፊ  እቲ መጀመርታን ልዕሊ ኩሉን ክንሰርሓሉ ዘለና ውሽጣዊ ውድባዊ ሓድነትና  ምሕላው እዩ።  ሓድነት ሰልፍና ድማ ነቲ ዘጽደቕናዮ መደብ ዕዮን፡ ቅዋምን ብምኽባርን  ኣብ ትሕቲኡ ምእዙዝነት ብምርግጋጽን እዩ ዝሕሎ። እዚ ጉባኤ’ዚ ነቲ ኣቐዲሙ  ዞባ ዘርኣዮ ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ከም ዝቕጽሎን ዘማዕብሎን እምነት ኣሎኒ።

ክቡራት ኣባላት ጉባኤ

 ኣብ መደምደምታ፡  ጉባኤኹም፡  ኣብ መደብ ዕዮታትን ቅዋምን ሰልፊ ተመርኲሱ ንዞባ ኣመሪካ ዝምልከት ኣገዳሲ ውሳኔታት ከሕልፍን ንመጻኢ መድረኽ ብብቕዓት እትመርሕ ሽማግለ ብዕዉት መንገዲ  ክመርጽን፡ ኣብ ቀጻሊ ዕቤት ሰልፊ  ከምቲ ዝለመድናዮ ሓድሽን ኣድማዒን ግንባር ክኸፍትን  ልባዊ ትምኒተይን ትጽቢት ሰልፍናን ምዃኑ እገልጽ።

ብተወሳኺ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ እዚ ጉባኤ’ዚ  ሓድሽ ኣገባብ ምጥቃሙ፡ ብመላእ ሰልፊ ዝውረስ ተመክሮን ከበርክትን፡ ናይ መጻኢ ተመሳሳሊ ዕዮታት ኣብነት ክኸውንን ትጽቢት ዝንበረሉ ዘሎ ብምዃኑ፡ መላእ ኣባላት ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነት ከም ዘለኩም እናስመርኩ፡ ብዓወት ዕማማትኩም  ክትዛዝሙ እምነየልኩም።

 ሰዲህኤ  ንዲሞራስያዊ ምሕደራ፡ ዲሞክራስን ምዕባሌን!

ኤርትራ ብነጻነት ትንበር!

ዝኽርን ዘላለማዊ ክብርን ንስዉኣት ኤርትራ!

ተስፋይ ወልደሚካኤል

ኣቦ መንበር ሰልፍፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

16 ጥሪ 2021

Last modified on Tuesday, 19 January 2021 06:08